Fana: At a Speed of Life!

ምልአተ ጉባኤ ርክበ ካህናት ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምልአተ ጉባኤ ርክበ ካህናት ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ተኸፊቱ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርዕሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘ ኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ወዕጨጌ ዘመንበረ ተክለ ሃይማኖት፥ “እዚ እዋን ንሃገርና፣ ንቤተ ክርስቲያንናን ንህዝብናን ከቢድ ናይ ፈተና እዋን ኢዩ” ኢሎም።

እቶም ፓትሪያርክ፥ ኣብቲ ጉባኤ ዝተኣከቡ ሊቃነ ጳጳሳት ንህዝቢ ኣብ ኩለመዳይ ህይወቱ ካብ ፈተና ንምሕላው ምዃኑ ምግንዛብ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ህዝቢ በቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ከይጉዳእ ብዝተኽኣለ መጠን ብፀሎት፣ ብማዕዳ፣ ዝተበኣሱ ብምትዕራቕን ሰፊሕ ናይ ምርድዳእን ህዝባዊ ሓድነትን ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊፆም።

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ፥ ቤተ ክርስቲያን፣ ካልኦት ኣቢያተ እምነታት፣ መንግስቲን ህዝቢን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ብሓባር ብምስረሖም እቲ ለበዳ ሕማም ዝኸፍአ ጉድኣት ከየብፅሕ ዝገበሩዎ ስራሕቲ ምክልኻል ኣመስጊኖም።

ኣብ ዝቕፅል እዋን ተጠናኺሩ ንኽቕፅል እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.