Fana: At a Speed of Life!

ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝግበር ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ንምድጋፍ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝግበር ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ንምድጋፍ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ገሊፃ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክልኻል ሃገርን  ሚሸል ማርቲን ኣብ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም። ኣብቲ ዑደት፥…

ሎሚ ዘበን ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሐዚ 4 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ዘበን ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክትከል ካብ ዝተተለመ 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ክሳብ ሐዚ 4 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ገሊፆም። ካብ እዋን ናብ እዋን እናተመናመነ ዝመፅአ ሃፍቲ ተፈጥሮን ክሌማዊ…

ኣብ ትግራይ ካብ 2 ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ክልተ ዙር ክዋሃብ ዝፀንሐ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ካብ 2 ሓምለ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ክልተ ዙር ክዋሃብ ዝፀንሐ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ሎሚ 12 ሓምለ ረፋድ ብሰላም ከመዝተዛዘመ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ  ኪሮስ ጉዕሽ(ዶ/ር) ገሊፆም።…

ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም። እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ግዙፍ ዓወት ምምዝጋቡ ገሊፆም።…

ብብርኪ ዓለም ብሰንኪ ዘጋጠመ ፀገም ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ዝተፈላለያ ትካላት ስረሐን ከምዝተዓናቐፈ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ብሰንኪ ዘጋጠመ ፀገም ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ዝተፈላለያ ትካላት ስረሐን ከምዝተዓናቐፈ ተገሊፁ። በቲ ዘጋጠመ ፀገም፥ መገዲ ኣየራት፣ ባንክታትን መራኸብቲ ሓፋሽን ስረሐን ከምዝተዓናቐፈ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ “እትትከል ሃገር፣ ዘፅንዕ ትውልዲ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣካይዶም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ባይቶ፣ ኣባላት እቲ ባይቶ፣ ሰራሕተኛታትን ሓለፍቲ ስራሕን እቲ ቤት ፅሕፈት…

ኣየርላንድ ምስ ኢትዮጵያ ብብዙሕ ዓውዲታት ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ቁርፀኛ ከምዝኾነት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣየርላንድ ምስ ኢትዮጵያ ብብዙሕ ዓውዲታት ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ቁርፀኛ ከምዝኾነት ገሊፃ። ክልቲአን ሃገራት መበል 30 ዓመት ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ኣኽቢረን። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮም ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ኩሉ ሰብ ተሳታፊ ሓምለዋይ ኣሰር ንክኸውን ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኩሉ ሰብ ፈልሲ ብምትካል ተሳታፊ ሓምለዋይ ኣሰር ንክኸውን ፃውዒት ኣቕሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህን ምስ ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር…

ኢትዮጵያ ስምምዕነት ደገፍ 86 ነጥቢ 18 ሚሊየን ዶላር ከቲማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ዩኒሴፍን ፈንዲ ህዝቢ(ዩኤንኤፍፒኤ)ን ስምምዕነት ደገፍ 86 ነጥቢ 18 ሚሊየን ዶላር ከቲማ። ኣብቲ ስምምዕነት ደገፍ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ  ሰዋሰው፣ ምክትል ተወካሊ ዩኒሴፍ ሪኮ ካጎሺማን ምክትል ተወካሊ ዩኤንኤፍ…

ሰብ ሃፍቲ ኣብ ልምዓት ደርሁ ትግራይ መዋእለ ንወዮም ዘዋፍሩሉ ዕድል ንክፍጠር ክስራሕ ኢዩ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ  ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሃገርለኸ ኤክስፖ ልምዓት ደርሁ ክልል ትግራይ ኣብ መቐለ በዕሊ ከፊቶም። ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ፥ እቲ ሃገርለኸ ኤክስፖ ቁጠባ እቲ ክልል ኣብ ምዕባይ ክንጥቀመሉ ይግባእ ኢሎም። እቲ…