Fana: At a Speed of Life!

ወሰን ተሳገርቲ ወለንታዊያን ኣብ ከባቢ ከተማ መቐለ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ዝተውፃእፅኡ ወሰን ተሳገርቲ ወለንታዊያን ኣብ ከባቢ ከተማ መቐለ ፈልስታት ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። እቲ ተኸላ ፈልሲ ኣብ መላእ ሃገር ናይ ዝሳለጥ ተኸላ ፈልሲ ወለንታዊያን ወሰን ተሳገርቲ ሓደ ኣካል ኢዩ…

ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ብልዕሊ 4 ቢሊየን ብር ዝተሃነፁ 175 ፕሮጀክትታት ተመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ብልዕሊ 4 ቢሊየን ብር ዝተሃነፁ 175 ፕሮጀክትታት ተመሪቖም። እቶም ፕሮጀክትታት ብሓላፊ ቅርንጫፍ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ኦሮሚያ ፍቃዱ ተሰማን ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳን ኢዮም ተመሪቖም።…

ምክትል ኢታማዦር ሹም ሞሮኮ  ኣብ ቤት ትምህርቲ ኮማንዶ ኣየር ወለድ ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ኢታማዦር ሹም ሞሮኮ ሜጀር ጀኔራል ኣዚዝ እድሪስ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኮማንዶ ኣየር ወለድ ዑደት ኣካይዱ። ኣብቲ ማእኸል ኣዛዚ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣመራርሓ ሌተናል ኮሎኔል ሰማኸኝ ሃይሉ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ እቲ ቤት ትምህርቲ…

ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ንምውሳድ ካብ ዝተመዝገቡ ተምሃሮ 97 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ከምዝተፈተኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ሃገር ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ንምውሳድ ካብ ዝተመዝገቡ 701 ሺሕን 749 ተምሃሮ 97 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ከምዝተፈተኑ ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ። ዝተረፉ ድማ ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ትምህርቶም ደንጒዮም ብምጅማሮም ነቲ ፈተና…

ምዕባለ ግሪን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምዕዋት ሓምለዋይ ኣሰር ወሳኒ ኢዩ- በለጠ ሞላ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምዕባለ ግሪን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምዕዋት ሓምለዋይ ኣሰር ወሳኒ ኢዩ ከብሉ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም።   ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ፓርክ ኣይሲሲ ሓምለዋይ ኣሰሮም…

ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ጉስጢት ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ጉስጢት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ ክብል ኮንፌደሬሽን ጉስጢት ኣፍሪካ ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንቃ፣ ፕሬዚዳንት ኮንፌደሬሽን ጉስጢት ኣፍሪካ እያሱ ወሰንን ዳይሬክተር ዓለም ለኸ…

ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝግበር ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ንምድጋፍ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝግበር ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ንምድጋፍ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ገሊፃ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክልኻል ሃገርን  ሚሸል ማርቲን ኣብ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም። ኣብቲ ዑደት፥…

ሎሚ ዘበን ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሐዚ 4 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ዘበን ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክትከል ካብ ዝተተለመ 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ክሳብ ሐዚ 4 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ገሊፆም። ካብ እዋን ናብ እዋን እናተመናመነ ዝመፅአ ሃፍቲ ተፈጥሮን ክሌማዊ…

ኣብ ትግራይ ካብ 2 ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ክልተ ዙር ክዋሃብ ዝፀንሐ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ካብ 2 ሓምለ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ክልተ ዙር ክዋሃብ ዝፀንሐ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ሎሚ 12 ሓምለ ረፋድ ብሰላም ከመዝተዛዘመ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ  ኪሮስ ጉዕሽ(ዶ/ር) ገሊፆም።…

ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም። እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ግዙፍ ዓወት ምምዝጋቡ ገሊፆም።…