Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክሽየጥ ዝረኸቦ ልዕሊ 2100 ሊትሮ ነዳዲ ኣብ ቁፅፅር ኣውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክሽየጥ ዝረኸቦ ልዕሊ 2 ሺሕን 160 ሊትሮ ዘይሕጋዊ ነዳዲ ዝመልአ 72 ጀረካን ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዘውዓለ ገሊፁ። እቲ ዘይሕጋዊ ነዳዲ ብመሰረት ካብ ሕብረተሰብ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዝተትሓዘ…

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብፍሉይ ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ  ዋጋ ሓደ ዶላር ብማእኸላይ 107 ነጥቢ 9 ብር ከምዝሸጠ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብፍሉይ ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ  ዋጋ ሓደ ዶላር ብማእኸላይ 107 ነጥቢ 9 ብር ከምዝሸጠ ኣፍሊጡ። እቲ ባንኪ ሎሚ ናይ ዘሳለጦ ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ ውፅኢት ዕላዊ ገይሩ። ብመሰረት እዚ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብፍሉይ ጨረታ ሸርፊ…

ንዞባ ጎፋ ክሳብ ሐዚ 210 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ደገፍ ከምዝተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ስዒቡ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝውዕል ክሳብ ሐዚ 210 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ደገፍ ከምዝተገበረ ተገሊፁ። ካብ መንጎ እቲ ዝተገበረ ደገፍ እቲ 92 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ብጥረ ገንዘብ…

ኣብ ልዕሊ 7 ሺሕ ዘይሕጋዊያን ነጋዶ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተኻየደ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ዋጋ ብምውሳኽን ፍሪያት ኣብ ምሕባእን ተግባር ዝተረኸቡ ኣብ ልዕሊ 7 ሺሕ ዘይሕጋዊያን ነጋዶ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ሚኒስቴር ንግዲን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ንግዲን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ…

ብፃዕሪ ምክልኻል ግዕዚይና ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ሃፍቲ ተመሊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተዛዘመ ባጀት ዓመት ብፃዕሪ ምክልኻል ግዕዚይና ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ሃፍቲ ከምዝተመለሰ ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዚይናን ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። እቲ ሃፍቲ ብመልክዕ መሬት፣ ጥረ ገንዘብ፣ ናውቲታትን ካልኦት መገዲታትን ክውሰድ…

ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ብውድድር ምፅራይ 1500 ሜትሮ ናብ ፈርቂ ፍፃመ ሓሊፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ኣብ ካልኣይ ዙር ውድድር ምፅራይ 1500 ሜትሮ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፋ። ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፥ ኣብ ምድብ ሓደ ቀዳመይቲ ብምዃን ኢያ ነቲ ርሕቐት ዛዚማቶ። ኣአትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ኣትሌት ድርቤ ወልተጂን ትማሊ ኣብ…

ኣብ ዞባ ጎፋ ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ንሓደጋ ንዝተቓልዑ ዜጋታት ዝኸውን 10 ሚሊየን ብር ደገፍ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ንሓደጋ ንዝተቓልዑ ዜጋታት ዝኸውን 10 ሚሊየን ብር ደገፍ ተገይሩ። እቲ ደገፍ፥ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ተፀዋዕቲ ትካላቱን፣ ባንኪ ኣዋሽ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።…

ፊሊፒንስ ምስ ኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባውያን መሻርኽታን ዝጀመረቶ ልምምድ ኲናት ንቻይና ኣቕሒሩዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ፣ ኣውስትራሊያ፣ ካናዳን ፊሊፒንስን ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ወተሃደራዊ ልምምዳት ሓይሊ ባሕሪን ሓይሊ ኣየርን ምግባር ምጅማረን ንቻይና ኣቕሒሩዋ። ነዚ ስዒቡ ሰራዊት ቻይና፥ እታ ሃገር ምስ ፊሊፒንስ ናይ ይግበአኒ ውጥጥ ኣብ ዘበግሳሉ ባሕሪ ደቡብ…

ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት፣ ቢንያም መሓሪ፣ ኣዲሱ ይሁኔን ብውድድር 5 ሺሕ ሜትሮ ናብ ፍፃመ በፂሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰዓት 6፡10 ኣብ ዝተኻየደ መበል 33 ፓሪስ ኦሊምፒክ ምፅራይ 5 ሺሕ ሜትሮ፥ ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት፣ ቢንያም መሓሪ፣ ኣዲሱ ይሁኔን ናብ ፍፃመ በፂሖም   ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ኣብቲ ዝተኻየደ ምፅራይ ውድድር 5 ሺሕ ሜትሮ…

ኣብ ወረዳ ዓድዋ ዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ብዘራእቲ ስርናይ ኣብ ዝተሸፈነ 3.75 ሄክታር መሬት ዕንወት ኣብፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ይሓ ዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ብዘራእቲ ስርናይ ኣብ ዝተሸፈነ 3 ነጥቢ 75 ሄክታር መሬት ዕንወት ኣብፂሑ። ብሰንኪ እቲ ብጋህሲ መሬት ሙሉእ ንሙሉእ ዕንወት ዘጋጠሞ ግራውቲ ዘስዓቦ ጉድኣት፥ ወነንቲ እቲ ግራውቲ ዝኾኑ…