Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ሓደ ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ ሃማስ ምቕታላ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ሓደ ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ ሃማስ ምቕታላ ኣፍሊጣ። ኢብራሂም ቢኣሪ ዝተባህለ ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ÷ ጦር እስራኤል ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ጋዛ ብዝፈጠሞ መጥቃዕቲ ኣየር ኢዩ ተቐቲሉ፡፡ እቲ ወታደራዊ ኣዛዚ…

ከንቲባ ከተማ ቹንቾን ዶጊ ሃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ማእኸል መሰንከቲ እንጀራ ጎብኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ደቡብ ኮሪያዊት ከተማ ቹንቾን ዶጊ ሃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ዝርከብ ማእኸል መሰንከቲ እንጀራ ጎብኒዮም። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 90 መዓልቲታት ካብ ዝተሃነፁ ፕሮጀክታት ሓደ ዝኾነ እቲ ማእኸል÷ ሚያዝያ…

ዓመታዊ ጉባኤ ዓውዲ ጥዕና ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)‘ጥንኩር ፋይናንስ ጥዕና ንዘላቒ ልምዓት ጥዕና’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 25 ዓመታዊ ጉባኤ ዘፈር ጥዕና ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ። እቲ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያን ከተማ ሸገር ዝተፈላለዩ ትካላት ጥዕና ኣወሃህባ ግልጋሎት ጥዕና…

100 ጀመርቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ንልዕሊ 56 ሺሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ከምዝተሃቀነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዓውዲ ኢ-ኮሜርስ ዝተዋፈሩ 100 ጀመርቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ንልዕሊ 56 ሺሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ከምዝተሃቀነ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ፡፡ ኢ-ኮሜርስ መሰረት ብምግባር ኣብ ንግዲ ዝተዋፈሩ…

መበል 20 ዓመት ሕውነት ከተማ ኣዲስ ኣበባን ቹንቾን ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 20 ዓመት ሕውነት ከተማ ኣዲስ ኣበባን ቹንቾ ደቡብ ኮሪያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸቢሩ። ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ከንቲባ ዮክ ቶንግ ሃን፣ ጉጅለ ልኡኽ ዲፕሎማሲ መናእሰይን ኣብ ዝተረኸብሉ ኢዩ እቲ ስነስርዓት ተኸቢሩ። ክልቲአን ኣሓት…

ኣፍሪካ ብፍሪያት ምግቢ ዓርሳ ንክትክእል መራሕታ ብቖራፅነት ተላዒልና ኢና- ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ብፍሪያት ምግቢ ዓርሳ ንክትክእል መራሕታ ብቖራፅነት ተላዒልና ኢና ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን። እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ጉዕዞ ውሕስነት ምግቢ ኢትዮጵያ ዝጠመተ ዘተ ምስ ሓላፊ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣኪንዉሚ ኣድሲና ዘቲየን።…

ኣይተ ደመቀ መኮንን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ናብ ጁባ ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ናብ ጁባ ኣምሪሖም። ኣይተ ደመቀ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጁባ እንትበፅሑ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ሱዳን ጀምስ ሞርጋን ኣቀባብላ ገይረሙሎም።…

ኣምባሳደር ምስጋኑ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምትሕብባርን ፖርቹጋል ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምትሕብባርን ፖርቹጋል ፍራንሲስኮ ኣንድሬ ዘቲዮም። ኣብ ሓበራዊ ረብሓን ወሳኒ ዛዕባታትን ዝጠመተ ዘተ ከምዝገበሩ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።…

ርክብ ክልላት ትግራይን ላዝዮን ክብ ንምባል ዘኽእል ስምምዕነት ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሃገረ ጣልያን ፕረዚደንት ክልል ላዝዮ ፍራንሲስኮ ሮካ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛቲዮም። ኣይተ ጌታቸው ረዳ÷ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ጣልያን ምስ ትግራይ ንእትገብሮ ሰናይ…

ኢትዮጵያ ካብ ቆርበትን ኣንጋረን ክትረኽቦ ዝግበኣ ኣታዊ ብሙሉእነት ኣይትረክብ ዘላ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ካብ ቆርበትን ኣንጋረን ክትረኽቦ ዝግበኣ ኣታዊ ብሙሉእነት ኣይትረክብ ዘላ ተባሂሉ። ብብርኪ ሃገር በቢዓመቱ ካብ ዝፈሪ ልዕሊ 41 ሚሊየን ቆርበትን ኣንጋረን እቲ 22 ሚሊየን ጥራሕ ንኣገልግሎት ከምዝውዕል ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል…