Fana: At a Speed of Life!

ኣገልግሎት ወለንታዊ መናእሰይ ብሄራዊ ምርድዳእ ይፈጥር ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ወለንታዊ መናእሰይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ምርድዳእ ይፈጥር ኣሎ ክብል ሚኒስቴር ሰላም ገሊፁ። ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዷለም፥ መናእሰይ ካብ ከባቢኦም ወፂኦም ብሄራዊ ሓድነት ዝፈጥሩሉ ወለንተናዊ ኣገልግሎት መርሃ ግብሪ ምድላዊ ተዛሪቦም።…

ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ገሊፃ። ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ብጎንግ ዌቢን(ፕ/ር) ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ብሄራዊ ምምሕዳር ኣካዳሚ ቻይና ዘቲዮም። እቲ ዘተ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዕድጊት ኤሌክትሮኒክ ንዝግዝኡ ኣቑሑት ማእኸል ካርጎ ናብ ስራሕ ከእቱ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብስርዓት ዕድጊት ኤሌክትሮኒክ ንዝግዝኡ ኣቑሑት (ኢ-ኮሜርስ) ዝውዕል ማእኸል ካርጎ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ከምዘእቱ ኣፍሊጡ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው፥ እቲ ግልጋሎት ካርጎ…

132 ኢትዮጵያውያን ፍልሰተኛታት ካብ ጅቡቲ ናብ ሃገሮም ይምለሱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)132 ኢትዮጵያውያን ፍልሰተኛታት ብክልተ ዙር ካብ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ እናተመለሱ ምዃኑ ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬ ገሊፆም፡፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ብርሃኑ ፀጋዬ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ ከምዝገለፁዎ፥ ስደት…

ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ዝሳተፉሉ ‘ናትና ፍርያት’ ዝተባህለ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ኣብ ዝቕፅል ታሕሳስ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016፣ (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ዝሳተፉሉ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ''ኢትዮጵያ ተፍሪ ንሕና ንዓድግ'' ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 3 ክሳብ 7 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም  ከምዝካየድ ልምዓት  ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ፅሬት ዘለዎ…

ሊቢያ 600 ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ግብፃውያን ናብ ሃገሮም ክትምልስ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሊቢያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝነብሩ 600 ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ግብፃውያን ናብ ሃገሮም ከምትምልስ ተገሊፁ። ክሳብ ቀረባ እዋን ኣብ ሊቢያ ዝርከቡ ፍልሰተኛታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ሓላፍነት ኤጀንሲታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝነበረ ተገሊፁ።…

ኣብ ትግራይ ብኹለ መዳይ መርኣያ ዝነበሩ መፍረይቲ ትካላት ቀልጢፎም ናብ ስራሕ ንክኣትው ክንድግፍ ኢና፥ ሚ/ር ዲኤታ ታረቀኝ ብሉልታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ለኸ መድረኽ ሲምፖዜም ምንቕቓሕ መፍረይቲ ትካላት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣይተ ታረቀኝ ብሉልታ፥ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ካልኦት…

ሃገራዊ ዓቕሚ ፋይናንስ ናህሪ ዕዳጋ ከረጋግዕ ብዘኽእልን ዕድል ስራሕ ብዝፈጥርን ዓውዲታት ምውዓል ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ዓቕሚ ፋይናንስ ናህሪ ዕዳጋ ከረጋግዕ ብዘኽእልን ዕድል ስራሕ ብዝፈጥርን ዓውዲታት ምውዓል ከምዝግባእ ተገሊፁ። ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝነበሮም በዓል ሞያ ኢኮኖሚ ኣቡሌ መሃሪ (ዶ/ር) ፥ ኣብ ውሽጢ ኢኮኖሚ ብዘሎ ናህሪ…

‘ካብ ዕዳ ናብ ምንዳ’ ብዝብል ርእሲ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እናተውሃበ ዝነበረ ስልጠና ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)'ካብ ዕዳ ናብ ምንዳ' ብዝብል ርእሲ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ን10 መዓልቲታት ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ጠሚቱ እናተውሃበ ዝነበረ ስልጠና ተዛዚሙ። ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና ዝተረኸባ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ሎሚ በዶ÷ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓሚቕ…

ኣብ ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ውፅኢት ተምሃሮ ዘመሓይሽ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ውፅኢት ተምሃሮ ዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ.ም ዘመሓይሽ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ዘተ ብቐንዱ ኣብ 2015 ዓ.ም ዘበነ ትምህርቲ ክልላዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊን ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊን ውፅኢት ምትሓቱ ስዒቡ ኣብ…