Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ልኡኽ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ቻይና ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ተዓዚቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቻይና ፕሮጀክት መስኖ ዱጂያንግያን ጎብንዩ፡፡ እቲ ፕሮጀክት መስኖ÷ ውሕጅ ንምክልኻል፣ ፍልፍል መስኖ ማይ ከባቢ ቼንዱ ንምዃንን ከም መስሕብ ቱሪስት ንምግልጋልን…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ባንጉይ በረራ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ርእሰ ከተማ ሴንትራል ኣፍሪካ ባንጉይ በረራ ጀሚሩ። ዋና ሓላፊ ዘፈር ንግዲ እቲ መገዲ ኣየር ለማ ያዴቻ÷ ኣብ 2030 ናብ ርእሰ ከተማ ኩለን ሃገራት ኣፍሪካ ናይ ምብራር ትልሚ ከምዘሎ ኣልዒሎም፡፡ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ…

ቻይናን ኣሜሪካን ቅልውላው ክሌማዊ ለውጢ ንምፍታሕ ብሓባር ክሰርሓ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይናን ኣሜሪካን መተሓሳሰቢ እናኾነ ዝመፅአ ቅልውላው ክሌማዊ ለውጢ ንምፍታሕ ብሓባር ከምዝሰርሓ ገሊፀን። እተን ሃገራት ምትሕብባረን ንምድንፋዕ ከምዝተስማዕማዓን ሓበራዊ መግለፂ ከምዘውፃኣን ሚኒስቴር ስነ-ምህዳርን ሓለዋ ከባቢን ቻይና ሎሚ ዕላዊ…

ሃገር ለኸ ውድድር ፈጠራ ስራሕ ተምሃሮን መምህራንን ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)8ይ ሃገር ለኸ ውድድር ፈጠራ ስራሕ ተምሃሮን መምህራንን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ መራሒ ኣፈፃሚ ልምዓት ኣመራርሓ መምህራንን ትምህርቲ ሙሉቀን ንጋቱ (ዶ/ር)፥…

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ ንልዕሊ 50 ሺሕ ዜጋታት ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ ን50 ሺሕን 569 ዜጋታት ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ቢሮ ልምዓት ስራሕ፣ ኢንተርፕራዝን ኢንዱስትሪን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ። ኣመራሓታ ዘፈር እቲ ቢሮ፣ ምክትል ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ክፍለ ከተማን ምክትል ፈፀምቲ ስራሕን…

ብምክትል ኣቦ መንበር ብሄራዊ ኮንግረስ ቻይና ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ኣቦ መንበር ብሄራዊ ኮንግረስ ቻይና ሎሳንግ ጂያልትሰን ዝተመርሐ ልኡኽ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ…

ኢትዮጵያ ኣብ መበል 18 ምርኢት ነፈርቲን ኤግዚብሽንን ዱባይ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሰራዊት ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝተመርሐ ልኡኽ ክሳብ ቀፃሊ ዕለተ ዓርቢ ኣብ ዝሳለጥ መበል 18 ምርኢት ነፈርቲን ኤግዚብሽንን ዱባይ ይሳተፍ ኣሎ። ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ጎኒ ንጎኒ እቲ ዓውደ…

ምስ ለኣኽቲ ዕደና፣ ኣቕረብቲ ክባራት ዕደናታትን ገይፀመይፅን ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዕደና ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር) ምስ ለኣኽቲ ዕደና፣ ኣቕረብቲ ክባራት ዕደናታትን ገይፀመይፅን ዘቲዮም። ኢትዮጵያ ክባራት ኣእማንን ገይፀመይፂ ዕደናታትን ነዕዳጋ ወፃኢ ብበዝሒ እተቕርብ እኳ እንተኾነት ካብቲ ዓውዲ ዝርከብ ሸርፊ ወፃኢ ግን ምስ…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ኩባንያ ቦይንግ ስምምዕነት ዕድጊት 67 ኣውሮፕላናት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ዓብዪ ዝተብሃለለሉ ዕድጊት 67 ኣውሮፕላናት ምስ ኩባንያ ቦይንግ ስምምዕነት ተፈራሪሙ። ብመሰረት እቲ ምምዕነት እቲ መገዲ ኣየር 11 ቦይንግ 787 ድሪምላይነር ከምኡ እውን 20 ቦይንግ 737 ማክስ…

ኣብ ትካላት ጥዕና ዝርከቡ መፅንሒ ኣዴታት ሞት ኣዶታት ንምንካይ ግደኦም እናተዋፅኡ ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትካላት ጥዕና ዝርከቡ መፅንሒ ኣዴታት ሞት ኣዶታት ንምንካይ ግደኦም እናተዋፅኡ ከምዝኾኑ ተገሊፁ። ብምኽንያት ወሊድ ዘጋጥም ሞት ኣዴታት ንምንካይ ነባር መፅንሒ ገዛውቲ ንምጥንኻርን ብተሳትፎ ሕብረተሰብ ሓደሽቲ ክፍሊታት ንምህናፅን ዝተፋላለዩ…