Fana: At a Speed of Life!

ስምምዕነት ሰላም ደቡብ ሱዳን ተግባራዊ ንኽኸውን ኢትዮጵያ ሃናፂ ግደ ክትፃወት ኢያ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፍሉይ ተወካሊን ደቡብ ሱዳን ሓላፊ ልኡኽቶ ደቡብ ሱዳን ኣብ ውሕመን ኒኮላስ ሮላንድ ሌይቦርን ሃይሶም ተዛቲዮም፡፡ ኣይተ ደመቀ÷ ኢትዮጵያ…

ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊየን ፓስፖርት ተሓቲሙ ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝኣተወ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊየን ፓስፖርት ተሓቲሙ ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝኣተወ ግልጋሎት ኢምግሬሽንን ዜግነትን ገሊፁ። ዋና ዳይሬክተር እቲ ግልጋሎት ሰላማዊት ዳዊት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ከምዝበለኦ÷ ኣብ…

ኣብ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ወደብ ዝጠመተ ሴሚናር ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ወደብ ዝጠመተ ሴሚናር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ሴሚናር÷ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ወደብ ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪካ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡ ጂኦፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ሓጋዊን…

ሰኣሊት ጁሊ ምህረቱ ዳግም ክብረ ወሰን ኪነ-ጥበብ ኣፍሪካ ክትሰብር ክኢላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንበሪኣ ኣብ ኣሜሪካ ዝገበረት ትውልደ ኢትዮጵያዊት ሰኣሊት ጁሊ ምህረቱ ዳግም ክብረ ወሰን ኪነ-ጥበብ ኣፍሪካ ክትሰብር ክኢ።ላ ጁሊ ምህረቱ እቲ ክብረ-ወሰን ዝሰበረቶ÷ “ወከርስ ዊዝ ዘ ዳውን ኤንድ ሞርኒንግ” ዝተብሃለ ረቂቕ ስእላ ኣብ ኒውዮርክ…

ፕሬዚዳንት ማላዊ ኣብ ልዕሊ ናይ ባዕሎም ኣባላት ካቢኔ እገዳ ጉዕዞ ወፃኢ ሃገራት ኣንቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ማላዊ ላዛሩስ ቻክዌራ ኣብ ኣብ ርእሶምን ኣባላት ካቢኔኦምን እገዳ ጉዕዞ ወፃኢ ሃገራት ኣንቢሮም። እቲ እገዳ ጉዕዞ ዓቕሚ ምግዛእ ገንዘብ እታ ሃገር 44 ሚኢታዊ ምድኻሙ ስዒቡ ሸርፊ ወፃኢ ንምድሓን ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡ ነዚ ድማ…

ደቡባዊ ዓለም ንምድንፋዕ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ደቡብ-ንደቡብ ዓብዪ ዓቕሚ ኣለዎ – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡባዊ ዓለም ንምድንፋዕ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ደቡብ-ንደቡብ ዓብዪ ዓቕሚ ከምዘለዎ ንርዳእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)  ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ “ቀዳማይ…

ብኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ከተማ ሻንጋይ ዝተፈላለዩ ትካላት ተዓዚቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ከተማ ሻንጋይ ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታትን ትካላትን ዑደት ገይሩ። ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ÷ ኣብ ማእኸል ቴክኖሎጂ ሁዋዌ፣ ኢንስቲትዩትን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ትልሚን ዲዛይንን…

ኣሜሪካን ቻይናን ወተሃደራዊ ርክብ ክጅምራ ተሰማሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካን ቻይናን ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ንምቅላል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ወተሃደራዊ ርክብ ዳግማይ ክጅምራ ከምዝተሰማምዓ ፕሬዚደንት ጆ ባይደን ገሊፆም። ትማሊ ረቡዕ ምስ ፕሬዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒን ኣብ ካሊፎርንያ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ፥ “ናብ…

መሬት ገፀር ረብሓ ንክህብ ንምግባር ፍሉይ ጠመተ ምሃብ ከምዘድሊ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መሬት ገፀር ረብሓ ንክህብ ንምግባር ፍሉይ ጠመተ ምሃብ ከምዘድሊ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣተሓሳሲቦም። እቲ ባይቶ ዝተፈላለዩ ረቀቕቲ ኣዋጃት ብምዝታይ ናብ ዝምልከቶም ቀወምቲ ኮሚቴታት መሪሑ። ካብ መንጎ እቶም ረቂቕ ኣዋጃት ዝኾነ ምምሕዳርን…

ናሬንድራ ሞዲ ንሓረስቶት ዝኸውን ደገፍ 2 ቢሊየን ዶላር ዕላዊ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ንሓረስቶት ዝኸውን ደገፍ 2 ቢሊየን ዶላር ዕላዊ ገይሮም። እቲ ንኣስታት 80 ሚሊየን ሓረስቶት ዝኸውን ደገፍ ዕላዊ ዝተገበረ፥  ኣብታ ሃገር ዝሳለጥ ሃገራዊ ምርጫ ምቕራቡ ስዒቡ ኢዩ ተባሂሉ። ብዲጂታል…