Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ን122 ሃገራት ኣገልግሎት “Visa on arrival” ትህብ ከምዘላ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ን122 ሃገራት ኣገልግሎት “Visa on arrival” ትህብ ከምዘላ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ገሊፁ። እዚ ዓይነት ቪዛ፥ ሓደ ዜጋ ኣብ ዝኸደላ/ዝኣትዋ ሃገር ንዝህልዎ ሓፂር ፃንሒት ዝወሃቦ እንትኸውን፥ እቲ ቪዛ ንምርካብ ዘድልይዎ…

ኣይተ ኢያሱ ወሰን ፕሬዚዳንት ኮንፌዴሬሽን ጉስጢት ኣፍሪካ ብምዃን ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ጉስጢት ኢትዮጵያ  ኣይተ ኢያሱ ወሰን ፕሬዚዳንት ኮንፌዴሬሽን ጉስጢት ኣፍሪካ ብምዃን ተሸይሞም። መበል 47 ስሩዕ ጉባኤ ኮንፌዴሬሽን ጉስጢት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ተሳሊጡ። ኣብቲ ጉባኤ ኣይተ ኢያሱ…

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ምስ ዓማዊል ሲቢኢ ኑር ዘቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ምስ ዓማዊል ሲቢኢ ኑር ዘቲዩ። መበል ዓስራይ ዓመት ሲቢኢ ኑር “ዕዉት ምዕራፍ፤ ብሩህ ተስፋ” ብዘብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ። ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣቤ ሳኖ፥ ካብ ወለድ ነፃ ኣገልግሎት ባንኪ ኣብ…

ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ቆላሕታ ተዋሂቡ ከምዝስራሕ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ኩለ መዳያዊ ርክብ ንምጥንኻር ቆላሕታ ተዋሂቡ ከምዝስራሕ ተዛሪቦም። እቶም ኣፈጉባኤ ንምክትል ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ህዝቢ ቻይና ሎሳንግ ጊልትሰንን…

ኣብ ሃገራዊ ዘተ ዝጠመተ ልዝብ ምስ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ምስ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ዘቲዩ። እቲ ዘተ፥ “ግደን ተሳትፎን ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ዘተን ምርድዳእን” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዘለዎ ተሓቢሩ። ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን መስፍን ኣርዓያ (ፕ/ር)፥ ዝተፈላለዩ…

ኩባንያ ቴክኖሎጂ ትምህርቲ ቻይና ምስ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ናይ ምስራሕ ባህጊ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባንያ ቴክኖሎጂ ትምህርቲ ቻይና ምስ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ናይ ምስራሕ ባህጊ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ኩባኒያ ጃሰን ጂን(ዶ/ር) ዘቲየን። ብመሰረት እዚ እቲ ቤት ዕዮ…

እስራኤል ኣብ መዓልቲ ክልተ ነዳዲ ዝፀዓና መካይን ናብ ጋዛ ንክኣትዋ ከምትፈቅድ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ኣብ መዓልቲ ክልተ ነዳዲ ዝፀዓና መካይን ናብ ወሽመጥ ጋዛ ንክኣትዋ ከምእተፍቅድ ኣፍሊጣ። እቲ ውሳነ እስራኤል ከምኡ ክትገብር ካብ ኣሜሪካ ብመሰረት ዝበፅሓ ፀቕጢ ከምዝኾነ’ውን ተገሊፁ። እቲ ዝበዝሕ ክኣቱ ዝተፈቐደ ነዳዲ፥ ረድኤት…

ሕቶ ቀረብ መንበሪ ሓባር ኣባይቲ ብመንግስቲ ጥራሕ ዝምለስ ዘይኮነስ ምትሕብባር ዓውዲ ውለቀ እውን ዝሓትት ኢዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕቶ ቀረብ መንበሪ ሓባር ኣባይቲ ብመንግስቲ ጥራሕ ዝምለስ ዘይኮነስ ምትሕብባር ዓውዲ ውለቀ እውን ዝሓትት ኢዩ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። ኖህ ሪል ስቴት ዝሃነፆም 754 መንበሪ ኣባይቲ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ። እቲ…

ዩኒቨርስቲ መቐለ ብዝተፈላለዩ መርሃግብርታት ዘሰልጠኖም ተምሃርኡ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርስቲ መቐለ ብዝተፈላለዩ መርሃግብርታት ዘሰልጠኖም 2 ሺሕን 35 ተምሃርኡ ሎሚ 8 ሕዳር 2016 ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ኣመሪቑ። እቶም ተምሃሮ፥ ብቐዳማይ፣ ካልኣይን ሳልሳይን ድግሪ መርሀ ግብሪታት ትምህርቶም ዝተኸታተሉ ተምሃሮ ተሓቢሩ።…

ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ብሰላም ንክዛዘም ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ምዝዛሙ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ብሰላም ንክዛዘም ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ምዝዛሙ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ። ብዙሓት ተሳተፍቲ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን፣ ኣምባሳደራት፣ ተኣንገድቲ ኣትሌታት ዝተዓደሙሉ መበገስን መዛዘሚን መስቀል ኣደባባይ ዝገበረ…