Fana: At a Speed of Life!

ገበን ግዕዝይና ንምክልኻል ሓገዝን ምትሕብባርን ህዝቢ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ገበን ግዕዝይና ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሓገዝን ምትሕብባርን ህዝቢ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ብሄራዊ ኮሚቴ ፀረ ግዕዝይና ፃውዒት ኣቕሪቦም። ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ንተኸታተልቲ መዓልታት “ግዕዝይና ሓበራዊ ፀላኢና ኢዩ፣ ብሕብረት ንቃለስ” ብዝብል መሪሕ…

ምኽባር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት ሓቛፊትን ሕብረ ብሄራዊትን ሃገር ንምህናፅ ዘለዎ ግደ ልዑል ኢዩ-ኣይተ ሙስጠፌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምኽባር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት ሓቛፊትን ሕብረ ብሄራዊትን ሃገር ንምህናፅ ዘለዎ ግደ ልዑል ኢዩ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ገሊፆም። ኣይተ ሙስጠፌ ምኽባር መበል 18 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት…

መዓልቲ ሕብረት ብዝተፈላለዩ ስነ ስርዓታት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ዝኽበር ዘሎ መበል 18 ዓመት መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን በዓል፥ “መዓልቲ ሕብረት” ብዝብል ስያመ ብዝተፈላለዩ ስነ ስርዓታት ይኽበር ኣሎ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሕብረትን ህብረ ብሄራዊነትን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብዘጉልህ መገዲ…

ኣብ ኣዲስ ኣባባ ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን ንብረት ብኣሰራርሓ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ንምትግባር ዘኽእል ሶፍትዌር ናብ ስራሕ ኣትዩዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣባባ ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን ንብረት ብኣሰራርሓ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ንምትግባር ዘኽእል ሶፍትዌር ናብ ስራሕ ኣትዩ። ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ከምዝገለፅኡ፥ እቲ ሶፍትዌር መሪቕና ሙሉእ ንሙሉእ ናብ…

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምስ ኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ዓመታዊ ዘተ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምስ ኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ዓመታዊ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ የሳልጥ ኣሎ። እቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢን ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ 2016 ዓ.ም.ፍ ብመሰረት ዝተኸተመ…

ፕሬዚዳንት ፑቲን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣቡ ዳቢ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኢምሬትስ ሕቡራት ዓረብ ሞሃመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብታ ሃገር ንዝኣተዉ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቪላድሚር ፑቲን ኣቀባብላ ገይረሙሎም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ፃንሒቶም፥ ኣብ ክልቲኣዊ ርክብን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ…

20 ሕዳር ብቀዋምነት መዓልቲ ሓይሊ ኣየር ብምዃን ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)20 ሕዳር ብቀዋምነት መዓልቲ ሓይሊ ኣየር ብምዃን ክኽበር ኢዩ ክብሉ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ኣፍሊጦም። መበል 88 ዓመት እቲ ሓይሊ ኣየር ካብ 20 ሕዳር ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ስነ ሰርዓታት ዝኽበር ዘሎ…

ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ምስ ሚኒስትር ኢነርጂን ዘላቒ ልምዓትን ሞሮኮ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 28 ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ሕቡራት መንግስታት ዝሳተፉ ዘለዉ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ምስ ሚኒስትር ኢነርጂን ዘላቒ ልምዓትን ሞሮኮ ሌኢላ ቤናሊ(ዶ/ር) ዘቲዮም። እቶም ሚኒስትራት ኣብ ልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ…

ምኽባር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት ሕብረብሄራዊነት ዘጠናኽር ኢዩ- ረ/ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምኽባር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት ኢትዮጵያ ሕብረብሄራዊነት ዘጠናኽር ኢዩ ክትብል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ረዳት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ ገሊፃ። መበል 18 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት “ብዙህነትን ማዕርነትን ንሃገራዊ…

ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ ብዝሓደሮ ሕማም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ ብዝሓደሮ ሕማም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ። ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ( ሃይሉ ገምበላ) ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣብ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ መደብ ቋንቋ ትግርኛን ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይን ካብ ተራ ጋዜጠኛ ክሳብ ዝተፈላለዩ ብርክታት መሪሕነት…