Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ብመሰረት ዝተገበሩ ስራሕቲ ሪፎርም ኣንፈታት እቶት ክብ ምባል ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ብመሰረት ዝተገበሩ ስራሕቲ ሪፎርም ኣንፈታት እቶት ክብ ምባል ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ። ሚኒስቴር ገንዘብን ናብቲ ሚኒስቴር ተፀዋዕነቲ ዝኾና ትካላትን ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣሳሊጠን። ሚኒስትር ገንዘብ…

ሓይሊ ዕማም “ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ” ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ንምምካት ዝዓለመ ዓብይ ብሄራዊ ሓይሊ ዕማም ተጣይሹ። እቲ ሓይሊ ዕማም ብርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝምራሕ ከምዝኾነ ተገሊፁ። 22 ኣባላት ዘለዉዎ እቲ ኮሚቴ፥…

ክልል ኣምሓራ ዕጡቓት ሓይሊታት ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት ብሰለማዎ መገዲ ኢዶም ንመንግስቲ ንክህቡ ፃውዒት ሰላም ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፥ ዕጡቓት ሓይሊታት ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት ብሰለማዎ መገዲ ኢዶም ንመንግስቲ ብምሃብ ሰለማዊ ህይወት ንክመርሑ ፃውዒት ኣቕሪቡ። ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል መንገሻ ፋንታው (ዶ/ር)፥ እቶም ዕጡቓት…

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ውግእ ዝሰርሖም ስራሕቲ ግቡኡ ብብቕዓት ንምውፃእ ዘኽእሉ ኢዮም ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ውግእ ዝሰርሖም ስራሕቲ ግቡኡ ብብቕዓት ንምውፃእ ዘኽእሉ ኢዮም ተባሂሉ። ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ብዝተሰርሐ ስራሕቲ ሪፎርም እቲ ሓይሊ ኣየር ሃገር እትኾርዓሉ ልዑል ትካል መግባር ምዝተኽኣለ ተሓቢሩ።…

ኣይተ ታዬ ደንደአ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ሰላም ኣይተ ታዬ ደንደአ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ። እቲ ግብረ ሓይሊ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ኣይተ ታየ ቅድሚ ለውጢ…

ኣብ ከይዲ ህንፀት ፕሮጀክት ፅሩይ መስተ ማይ ግድብ ገረብ ግባ ዝጠመተ ዘተ ይሳላጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ብፍሉይ ልኡኽ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዙ ቢንግ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ይዝትዩ ኣለዉ። እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ከይዲ ህንፀቱ ተቛሪፁ…

ፈረንሳይ ንክልተ ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት ሃውቲ ከምዝሓምሸሸት ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳይ ንክልተ ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት ሃውቲ ከምዝሓምሸሸት ኣፍሊጣ። እታ ሃገር ብሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት የመን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መራኽባ ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ከምዘፍሸለት ኢያ ገሊፃ። ሚኒስትር ሓይሊታት ሰራዊት ፈረንሳይ ሰባስቲያን ለኮርኑ፥…

ኢትዮጵያ ኣብ መበል 27 ዓለም ለኸ ጉባኤ ኢንቨስትመንት ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣብ ሀንዲ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መበል 27 ዓለም ለኸ ጉባኤ ኢንቨስትመንት ይሳተፍ ኣሎ። ምክትል ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ተመስገን ጥላሁን፥ ዓውዲ ኢንቨስትመንት፣ ኩለ መዳይ ዕድላትን ኣማራፅታትን ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ…

7 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ኣብ ኣውሮፓ ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ዘተ ክግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ 7 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ኣብ ኣውሮፓ ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ዘተ ከምዝግበር ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብቨርቿል ዘተ ምግባር…

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደር ስዊድን ይዛተዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብኣምባሳደር ስዊድን ኣብ ኢትዮጵያ ሃንስ ሄንሪክ ሉንዱኬስት ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ይዝትዩ ኣለዉ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ላዕለዎት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ…