Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016 ዓ.ም 117 ሚሊየን ኩንታል ፍሪያት ንምእካብ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016 ዓ.ም 3 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብመስኖ ብምልማዕ 117 ሚሊየን ኩንታል ፍሪያት ንምእካብ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ። ሚኒስትር ግብርና ግርማ አመንቴ (ዶ/ር)፥ ሉእላውነት ምግቢ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ዓውዲ ገብርና መስ ዝድግፉ…

ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ብዝተፈላለዩ ሙያታት ዘምሃሮም ልዕሊ 1800 ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ታሕሳስ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ብዝተፈላለዩ ሙያታት ዘምሃሮም ልዕሊ 1 ሺሕን 839 ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ። እቲ ተመረቕቲ ብቐዳማይን ካልኣይን ድግሪ ትምህርቶም ዝተኸታተሉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ። ኣብ ስነ ሰርዓት እቲ ምረቓ፥ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ…

ባንኪ ወጋገን ኣብ ትግራይ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዝውዕል 40 ሚልየን ብር ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ታሕሳስ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ወጋገን ኣብ ክልል ትግራይ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዝውዕል 40 ሚልየን ብርን 100 ኩንታል ሓገዝ እኽሊን ገይሩ። እቲ ደገፍ ገንዘብን እኽሊን፥ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብመሰረት ዝገበሮ ፃውዒት ብምቕባል ዝተውሃበ ምላሽ ከምዝኾነ ተገሊፁ።…

ካቢኔ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ታሕሳስ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካቢኔ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ። እቲ ካቢኔ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼብኡ ምምሕዳር ልምዓት መሬት፣ ኣወሃህባ ኣገልግሎት፣ ሓይሊ ሰብን ናይ ኣሰራርሓ ዓምዩቕ ሪፎርም መተግበሪ ረቂቕ ደንቢ ብምዝታይ…

ምርኢት ኣየር ፀሊም ኣንበሳ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊታት ሰራዊት ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ምርኢት ኣየር ፀሊም ኣንበሳ ይካየድ ኣሎ። ሎሚ ኣብ ዝካየድ ስነ ስርዓት መዕፀዊ በዓል ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤሚሬትስ ሕብረት ዓረብን ሓይሊ…

ስነ ስርዓት መዕፀዊ በዓል ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መዛዘሚ ስነ ሰርዓት ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተሳለጠ ዝቐነየ መበል 88 ዓመት በዓል ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ይካየድ ኣሎ። እቲ በዓል፥ “ብመስዋእትነት ሃገር ዘፅንዐ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 20 ሕዳር 2016…

ኣዘዝቲ ሓይሊ ኣየር ሃገራት ኣፍሪካ ዓቕሚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዑደት ከምዝገበሩ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዘዝቲ ሓይሊ ኣየር ሃገራት ኣፍሪካ ዓቕሚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዑደት ከምዝገበሩ ገሊፆም። መበል 88 በዓል ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ “ብመስዋእትነት ሃገር ሃገር ዘፅንዐ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 20 ሕዳር…

ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዋልታ ዝኾነ ሓይሊ ኣየር ንሃንፅ ኣለና-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዋልታ ዝኾነ ንኢትዮጵያ ዝምጥን ሓይሊ ኣየር ንሃንፅ ኣለና ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራተጨዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም። ኣብ ቢሸፍቱ ኣብ ዝርከብ ክበብ ሞኪንናት ሓይሊ ኣየር መበል 88 ዓመት በዓል…

ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውሕመ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንገስታት(ውሕመ) ፊሊፖ ግራንዴ ኣብ ጄኔቫ ዘቲዮም። ኣይተ ደመቀ፥ ልዕሊ 1 ሚሊየን ስደተኛታት ኣብ ዝነብሩላ ኢትዮጵያ ናብራ…

ኣዘዝቲ ሓይሊ ኣየርን ወተሃደራዊ ኣታሼታትን ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ፓርክ ሓድነት ዑደት ስራሕ ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዘዝቲ ሓይሊ ኣየርን ወተሃደራዊ ኣታሼታትን ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ፓርክ ሓድነት ዑደት ስራሕ ኣሳሊጦም። እቶም ኣዘዝቲ ሓይሊ ኣየርን ወተሃደራዊ ኣታሼታትን  ትማሊ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዘህነፆ መሰረተ ልምዓት ውግእ ከምኡውን ዓቕሚ ዕጥቂ ክብ ንምባል…