Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ኣባላት ብሪክስ ዘለዋ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ – ኣይተ ማሞ ምህረቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ኣባላት ብሪክስ ዘለዋ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምትቅፅል ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኣይተ ማሞ ምህረቱ ገሊፆም። ብኣይተ ማሞ ምህረቱ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ሩሲያ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ቀዳማይ ኣኼባ ኣባል ሃገራት እናተሳተፈ ይርከብ፡፡…

ስምምዕነት ፕሪቶርያ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ተግባራዊ ምላሽ ይደሊ – ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስምምዕነት ፕሪቶርያ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ተግባራዊ ምላሽ ይደሊ ክብል ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ። እቲ ግልጋሎት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ሕወሓት ኣብዚ ሰሙን ዘውፀኦ መግለፂ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንኽኽበር ምሕታቱ መንግስቲ ፌዴራል ብዕምቆት…

ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ብሬሚታንስ ልዕሊ 2 ቢሊየን ዶላር ገንዘብ ናብ ሃገር ተላኢኹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ካብ ወፃኢ ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ብሬሚታንስ ልዕሊ 2 ቢሊየን ዶላር ገንዘብ ከምዝተለኣኸ ተገሊፁ። ዋና ዳይሬክተር ግልጋሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ መሓመድ እንድሪስ (ዶ/ር)÷ ተሳትፎ ልምዓት ዳያስፖራው ንምዕባይ ብዕቱብ እናተሰርሐ…

ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ምስ ተወካሊ ፕሮግራም ልምዓት ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ዘምባሳደር ተሾመ ቶጋ ምስ ተወካሊ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኤንዲፒ) ኣብ ኢትዮጵያ ሳሙኤል ዶ ተዛቲዮም። ኣብ ዘተኦም ድማ÷ እቲ ኮሚሽን ካብ ዝጣየሽ ጀምሮ ብዩኤንዲፒ ዝተፈላለየ ሓገዝ እናተገበረሉ…

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ቆፀራ ህዝብን ኣባይቲን ንምክያድ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ቆፀራ ህዝብን ኣባይቲን ንምክያድ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ገሊፁ። እቲ ሚኒስቴር ኣብ ሰለስተ ዓማውቲ ዝትግበር ፕሮግራም ልምዓት ስታትስቲክስ ኢትዮጵያ ዕላዊ ገይሩ። ብመሰረት እቲ ፕሮግራም፥ ኣብ…

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ልምዓታዊ ተራድኦን ምትሕብባርን ስዊድን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ልምዓታዊ ተራድኦን ምትሕብባርን ስዊድን (ሲዳ) ጃኮብ ግሬተን ተዛቲዮም። ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም።…

ካብ ንግዲ ወፃኢ ዕደና ልዕሊ 142 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ካብ ንግዲ ወፃኢ ዕደና ልዕሊ 142 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስትር ዕደና ኣፍሊጡ። እቲ ኣታዊ፥ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ዓዲ ካብ ዝቐረበ ወርቂ፣ ታንታለም፣ ሊቲየም ኦር፣ ገይፀ መይፂን ዕደናታት ኢንዱስትሪን ዝተረኸበ ኢዩ…

ኢትዮጵያ ምስ ዩኒዶ ፕሮጀክት ሰነድ ስምምዕነት 28 ሚሊየን ዶላር ከቲማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ሕቡራት መነግስታት(ዩኒዶ) ፕሮጀክት ሰነድ ስምምዕነት 28 ሚሊየን ዶላር ከቲማ። ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰውን ተወካሊ ዩኒዶ ኣብ ኢትዮጵያ ቻሌብሮ ኦርሊያ ፓትሪዚያን…

ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ዜጋታት ዝተሃነፀ ህንፃ ንተጠቀምቲ ተመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 4 ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ዜጋታት ዝተሃነፀ በዓል ኣርባዕተ ደብሪ ህንፃ ተመሪቑ ንተጠቀምቲ ተመሓላሊፉ። እቲ ህንፃ ጊፍት ሪል እስቴትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ብምትሕብባር ዘህነፁዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡…

መዕፀዊ ስነ-ስርዓት ኤክስፖ ሰበኽ ሳግም ምብራቕ ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)“ሰበኽ ሳግም ህብረ ቀለም ምብራቕ ኣፍሪካ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ዝፀንሐ ኤክስፖ ሰበኽ ሳግም ምብራቕ ኣፍሪካ ሎሚ ክዛዘም ኢዩ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት መዕፀዊ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጀላ መርዳሳ፣ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኢንጂነር…