Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኖርዌይ መዘነኦም ኤርና ሶልበርግ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኖርዌይ ኤርና ሶልበርግ ዘትዮም። እቶም መራሕቲ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ኣብ ኢትዮጵያ እናተሳለጡ ዝርከቡ ናይ ለውጢ ስራሕቲን ህንፀት ዴሞክራሲን ኣድሂቦም ዘትዮም።…

ንዘመናት ጠፊኣ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ ኢትዮጵያ ብተመራመርቲ ስነ ኳዕቲ ተረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተመራመርቲ ስነ ኳዕቲ፣ ተቐቢራ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ ኢትዮጵያ ከምዝረኸቡ ገሊፆም። እታ ከተማ ቤተ ሰማዕቲ ዝብል መፀውዒ ሽም ዝሓዘት እንትትከውን ን1400 ዓመታት ዝኣክል ሰባት ይነብሩላ ከምዝነበሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። ቤተ ሰማዕቲ፥ ኣካል…

ንቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ፅባሕ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ክግበረሎም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ንዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ፅባሕ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ከምዝካየድ ተገሊፁ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ትማሊ ኣብ ኖርዌይ ኦስሎ ብዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ሽልማት ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019…

በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ኣምሃ መኮንን ሽልማት ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ናይዚ ዓመት ተዓዋቲ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ኢትዮጵያዊ በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ኣምሃ መኮንን ናይዚ ዓመት ሽልማት ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ፈረንሳይ-ጀርመን ተዓዋቲ ኮይኖም። ጠበቓ ሕጊ ኣምሃ መኮንን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፀጋሚ እዋን እንተይተረፈ ናይ ዜጋታት ሰብኣዊ መሰልን ክብሪን ንኽሕሎ…

ኣብ ኦስሎ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ብምዃኖም ዝተሰመዖም ሓጎስ ብሰልፊ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኦስሎ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ብምዃኖም ዝተሰመዖም ሓጎስ ብሰልፊ ገሊፆም። እቶም ኢትዮጵያውሓጎሶም ዝገልፁ፥ ያን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝዓረፉሉ ሆቴል ግራንድ…

ሰላም ከም ፈልሲ ተኽሊ ክንክን ዘድልዮ ኢዩ – ቀዳማይ ሚ/ር ዶ/ር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)”ሰላም ከም ፈልሲ ተኽሊ ኢዩ፤ ተኽሊ ተተኺሉ ክንክን ከምዘድልዮ ሰላም እውን ቅኑዕ ሕልናን ክንክንን የድልዮ” ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ። ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኖርዌይ ኦስሎ ዝተሳለጠ…

ፎረም ቢዝነስ ኢትዮ – ሳዑዲ ዓረቢያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢዝነስ ፎረም ኩባንያታት ኢትዮጵያን ሳዑዲ ዓረቢያን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ፡፡ ኣብቲ ፎረም ቢዝነስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሳዑዲ ዓረቢያን ከምኡ እውን ልዕሊ 150 ሰብ ሃፍቲ ክልቲአን ሃገራትን ተሳተፍቲ ኮይኖም።…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሽልማት ኖቬል ሰላም ተቐቢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ኖቬል ሰላም ሽልማቶም ተቐቢሎም። ስነ ስርዓት ሽልማት ኖቬል ሰላም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኖርዌይ ኦስሎ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ ሽልማት ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ…

38 ተሳፈርቲ ዝሓዘት ወተሃደራዊት ነፋሪት ቺሊ ጠፊኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)38 ሰባት ሒዛ ናብ ኣንታርቲካ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ከም ዝጠፈአት ሓይሊ ኣየር ቺለ ገሊፁ። እታ ሲ-130 ዝዓይነታ ነፋሪት፥ ካብ ፑነታ ኣሬና ብኣቆፃፅራ ቺለ ሰዓት 4 : 55 ናይ ምሸት ኢያ ተበጊሳ። ሰዓት 6 : 00 ድሕሪ ቐትሪ ምስ…

ሃፍቲ ልምዓት ሰብ ኢትዮጵያ ብ65 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ፤ ወሰን ዕድመ ሰብ ድማ ብ14 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ዓመት ወሲኹ – ውድብ ሕቡራት መንግስታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሃፍቲ ልምዓት ሰብ ኢትዮጵያ ብ65 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ እንተዓቢ፤ ወሰን ዕድመ ሰብ ድማ ብ14 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ዓመት ክብ ምባሉ ፕግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ። እቲ ውድብ ናይ ዓመተ 2019 ፀብፃብ ሃፍቲ ልምዓት ሰብ ኢትዮጵያ ሎሚ…