Fana: At a Speed of Life!

በዓል ጥምቀት ኣብ ዩኔስኮ ዘይድህሰስ ሓድጊ ኮይኑ ብምምዝጋቡ እንኳዕ ደስ በለና-ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል ጥምቀት ኣብ ዩኔስኮ ዘይድህሰስ ሓድጊ ኮይኑ ብምምዝጋቡ እንኳዕ ደስ በለና ክብሉ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ገሊፆም። በዓል ጥምቀተ ክርስቶስ ኣብ ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን ውድብ…

ትካል ምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሕዳር ብር 2 ነጥቢ 8 ቢሊየን ዋጋ ዘለዎም ፍሪያታት ተዓዳዲጉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሕዳር ብር 2 ነጥቢ 8 ቢሊየን ኣሜሪካ ዋጋ ዘለዎም 60 ሺሕን 825ን ቶን ፍሪያታት ከምዝተዓዳደገ ኣፍሊጡ። እቲ ዕዳጋ ምህርቲ ንፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ከምዝበሎ፥ ኣብ ወርሒ ሕዳር ካብ…

ኣብ ወታደራዊ መዓስከር ኒጀር ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ 73 ወታደራት ተቐቲሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ኣብ ወታደራዊ መዓስከር ምዕራብ ኒጀር ብዝፈነዉዎ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 73 ወታደራት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ጦር ሰራዊት እታ ሃገር ኣፍሊጡ። በቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 12 ወታደራት ከምዝቖሰሉ እውን ተገሊፁ። እቲ ዝተመዝገበ ቁፅሪ…

መርሃ ግብሪ መግለፂ ታሕጓስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ሃረሪን ዞባ ወላይታን ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ መርሃ ግብሪ መግለፂ ታሕጓስ ኣብ ክልል ሃረሪን ዞባ ወላይታን ተሳሊጡ። ኣብ ክልል ሃረሪ ኣብ ዝተሳለጠ ድሙቕ መርሃ ግብሪ፥ ላዕለዎት መራሕቲ ስራሕ እቲ ክልል፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣባገዳታት፣ መናእሰይን…

ባንኪ ዓለም ንህንፀት ዓቕሚን ስልጠናን ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዝውዕል ገንዘባዊ ሓገዝ 150 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ንህንፀት ዓቕሚን ስልጠናን ኢኒስቲትዩ ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዝውዕል ገንዘባዊ ሓገዝ 150 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣፅዲቑ። እቲ ገንዝባዊ ሓገዝ ንምህናፅ ደረጅኡ ዝሓለወ ሳልሳይ ብርኪ ላቦራቶሪ ባዮሴፍቲ፣ ኣብ ኩለን…

ሽልማት ኖቤል ሰላም እወንታዊ ገፅታ ሃገርና ንዓለም ንምፍላጥ ዘኽእል ፅቡቕ ዕድል ሒዙ ዝመፅአ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሽልማት ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 እወንታዊ ገፅታ ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥ ዘኽእል ፅቡቕ ዕድል ሒዙ ዝመፅአ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቦም። ሎሬት ኖቤል ሰላም ዓለም ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ሎሚ ንጎሆ…

በዓል ጥምቀት ኣብ ዩኔስኮ ዘይድህሰስ ሓድጊ ኮይኑ ንኽምዝገብ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ጥምቀት ዘይድህሰስ ሓድጊ ኮይኑ ንኽምዝገብ ምውሳኑ ትካል ባህሊ፣ ትምህርቲ ሳይንስን ውድብ ሕቡራ መንግስታት(ዩኔስኮ) ኣፍሊጡ። ኮሚቴ ዩኔስኮ፥ ኣብ ኮሎምቢያ- ቦጎታ ኣብ ሓለዋ ሓድጊታት ኣድሂቡ እናሳለጦ ዝርከብ ኣኼባ ኢዩ ኣከባብራ በዓል…

ሎሬት ኖቤል ሰላም ዓለም ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ኣቀባብላ ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሬት ኖቤል ሰላም ዓለም ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ፣ ኣዲስ ኣበባ እንትበፅሑ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዕለተ ሰሉስ ኣብ ኖርዌይ፣ ኦስሎ ኣብ ዝተሳለጠ ስነስርዓት፥…

ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ንልዕሊ 5 ሺሕ እስረኛታት ምሕረት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ጆን ማጉፉሊ ንልዕሊ 5 ሺሕ እስረኛታት ምሕረት ምግባሮም ኣፍሊጦም። እቲ ምሕረት፥ እታ ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናፃ ዝወፀትሉ መበል 58 ዓመት ክብረ በዓል ምኽንያት ብምግባር ዝተገበረ ምዃኑ ተገሊፁ። ብመሰረት እዚ 5…

ኣብ ወረዳ ኢሮብ ፈለማይ ዩኔን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ወረዳ ኢሮብ ፈለማይ ዝኾነ ዩኔን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ተጣይሹ። ኣብቲ መድርኽ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ዩኔን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣይተ ሰሎሞን ኣብርሃ፥ እታ ዩኔን 26 ሕዳር 2012 ዓ.ም ከምዝተጣየሸትን "መሰረታዊ…