Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ልዕሊ 47 ቢሊየን ብር እቶት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ልዕሊ 47 ቢሊየን ብር እቶት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ። ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ እቲ ኩባኒያ ፍሬህይወት ታምሩ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ ከምዝበልኡ፥ እቲ ዝተረኸበ እቶት ኣብ'ዚ ዓመት ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ…

ቻይናን ህንድን ኣብ ዶባዊ ወጥሪ ኣብ ዘለዋሉ እዋን ህንዲ ምዕቡላት ነፈርቲ ኲናት ካብ ፈረንሳይ ከምዝዓደገት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቻይናን ህንድን ኣብ ዶባዊ ወጥሪ ኣብ ዘለዋሉ እዋን ሓይሊ ኣየር ህንዲ ‘ራፋል’ ዝተሰመያ ምዕቡላት ነፈርቲ ኲናት ካብ ፈረንሳይ ተረኪቡ። ህንዲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2016 ዓ.ም 36 ምዕቡላት ነፈርቲ ኲናት ካብ ፈረንሳይ ክትዕድግ ኣብ…

ኣብ ክልል ደቡብ ንዘጋጠመ ፀገም ፀፅታ ስዒቡ ስራሕቲ ምፅራይ ብምክያድ ተጠርጠርቲ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ዶብ ኮንሶን ኣሌን ኣብ ቀረባ መዓልታት ብምኽኒያት ዘጋጠመ ፀገም ፀፅታ ህይወት 21 ሰባት ዝሓለፈ እንትኸውን፥ ጉድኣት ኣካልን ዕንወት ንብረትን እውን ከምዘጋጠመ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ እርስቱ ይርዳ ተዛሪቦም።…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ፕሬዚዳንት ሱዳን ተዛቲዮም   

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ፕሬዚዳንት ሱዳን ሳልቫ ኪር ተዛቲዮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኒሃል ዴንግ ኒሃልን ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ኣብ ክልቲኣዊ ሃገራዊ ጉዳያት ብፍላይ ድማ ኣብ ልምዓት…

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 610 ሰባት እንትርከቡ 14 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 7 ሺሕን 760 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 610 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ክሳብ ሐዚ ን403 ሺሕን 611 ሰባት ብመሰረት ዝተገበረ ምርመራ…

ልዕልነት ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኣካላት መንግስቲ፣ ኣመራርሓታት ገዛኢ ፓርቲ ይኹኑ ኣባላት ፓርቲታት ፖለቲካ ተፈፃሚ ምዃኑ ቆራፅ ቅዋም መንግስቲ ዘርኢ ኢዩ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ልዕልነት ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኣካላት መንግስቲ፣ ኣመራርሓታት ገዛኢ ፓርቲን ኣባላት ፓርቲታት ፖለቲካን ተፈፃሚ ምዃኑ ቆራፅ ቅዋም መንግስቲ ዘርኢ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። እቶም ቀዳይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ…

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሚኒስቴር ሰላምን ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉዎም ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሚኒስቴር ሰላምን ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉዎም ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም። ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ኣይተ ኣደም ፋራሕ፥ ናይ ሓባር መፍትሒ ዝደሊዩ ዛዕባታት ናብ ክልቲኦም ትካላት ከምዝመፅኡ ገሊፆም።…

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ብሪታኒያ ጉዳያት ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ብሪታኒያ ጉዳያት ኣፍሪካ ጀምስ ደድሪጅ ኣብ ምጥንኻር ክልተኣዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራትን ናይ ሓባር ጉዳያትን ኣድሂቦም ተዛቲዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት…

ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ጉባ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ህይወት 13 ሰባት ሓሊፉ – ቢሮ ፅፅታ ክልል ቤኒ ሻንጉል

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሸንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ወረዳ ጉባ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ህይወት 13 ሰባት ምሕላፉ ቢሮ ፅፅታን ህንፀት ሰላምን እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ኣብዱላዚዝ መሓመድ፥ ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ጉባ ካብ ወፃኢ ዓዲ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ኣመራርሓታት ፓርቲታት ፖለቲካ ይዛተዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኣ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ኣመራርሓታት ፓርቲታት ፖለቲካ ይዛተዩ ኣለዉ። እቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ፓርቲታት ፖለቲካን ዘለዉ እዋናዊ ጉዳያት ሃገር ዘድሃበ ከምዝኾነ ኢቢሲ ፀብፂቡ።…