Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ኣባላት ኮሚቴ ኖቤል ኖርዌይ ተራኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣባላት ኮሚቴ ኖቤል ኖርዌይ ተራኺቦም። 30 መስከረም ኮሚቴ ኖቤል ኖርዌይ ብመሰረት ዕላዊ ዝገበሮ፥ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 ከምዝኾኑ ይዝከር። ስለዝኾነ…

ፊንላንድ ንመፈፀሚ ሃገራዊ መረፃ ዝውዕል 800 ሺሕ ዩሮ ሓገዝ ክትገብር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፊንላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ሃገራዊ መረፃ መፈፀሚ ዝውዕል 800 ሺሕ ዩሮ ብመልክዕ ሓገዝ ክትህብ ኢያ። እቲ ስምምዕነት ሓገዝ ኣምባሳደር ፊንላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ሄሌና ኤራክሲነን  ተወካሊ ትካል ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት  ቱርሃን ሳልሕን…

9 ይ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ካሪቢያን ፓስፊክን ኣብ ናይሮቢ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ታሽዓይ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ካሪቢያን ፓስፊክን ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ይሳለጥ ኣሎ። ብኣምባሳደር ማርቆስ ተክሌ ዝተመርሐ ጊጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ኣኼባ እናተሳተፈ ይርከብ። እቲ ልኡኽ፥ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕብረት…

ሽልማት ፍረወይኒ ብጉዳይ ተፈጥሮ ንዝሽቑረራን ካብ ትምህርተን ንዝተኣጓጎላን ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያ ዓቢዪ ዓወት ኢዩ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ወይዘሮ ፍረወይኒ መብራህቱ ጅግና ሲ ኤን ኤን ዓመተ 2019 ኮይና ብምዕዋታ ናይ “እንኳዕ ደስ በለኪ” መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን። ፕሬዚዳንት ሳህለ-ወርቅ ብማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ…

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ፍረወይኒ መብራህቱ ጅግና ሲ ኤን ኤን ዓመተ 2019 ብምዃን ብምዕዋተን ናይ “እንኳዕ ደስ በለክን” መልእኽቲ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ፍረወይኒ መብራህቱ ጅግና ሲ ኤን ኤን ዓመተ 2019 ኮይነን ብምዕዋተን ናይ “እንኳዕ ደስ በለክን” መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ወይዘሮ ፍረወይኒ፥ ተሓፃቢ መቐበሊ ወርሓዊ ፅግያት ብምምሃዝ ደቂ…

ኣብ ፀረ መበረታትዒ ቅመም ዘድሃበ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ፀረ መበረታትዒ ቅመም ዘድሃበ ስልጠና ካብ ማሕበር ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ዓለም ብዝመፅኡ ሰብ ሞያታት ይወሃብ ኣሎ። ኣብቲ ስልጠና ኣትሌታት፣ ኣሰልጠንቲ፣ ማናጀራትን ተወከልቲን ኣትሌታት ይሳተፉ ኣለዉ። ምኽትል ተቐዳሚት ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን…

ኢትዮጵያ ብፍረወይኒ ኮሪዓ – ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ፍረወይኒ መብራህቱ ጅግና ሲ ኤን ኤን ዓመተ 2019 ብምዃን ብምዕዋታ “እንኳዕ ደስ በለኪ” ከብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ወናኒት ፋብሪካ ማርያም ሳባ መፍረዪ ዝሕፀብ መናፅሂ…

መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣብ ውሽጢ ኣፈላላይ ዘሎ ሓድነት ንምጥንኻር ዝሕግዝ ኢዩ-ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 14 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብኣሰናዳእነት ክልል ኦሮሚያ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ብዝደመቐ ኩነታት ተኸቢሩ። ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኸባ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ ፀገማትና ብሓባር ብምዃን…

ሱዳን ኣብ የመን ዝርከቡ ቁፅሪ ወታደራታ ካብ 15 ሺሕ ናብ 5 ሺሕ ኣውሪዳቶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሱዳን ኣብ የመን ዝርከቡ ዓቀብቲ ሰላም ቁፅሪ ወታደራታ ካብ 15 ሺሕ ናብ 5 ሺሕ ከምዝነከየቶ ተገሊፁ። ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ፥ ኣብ የመን ዘሎ ዘይምርግጋዕ ወታደራት ብምውፋር ክፍታሕ ዝኽእል ከምዘይኮነ ገሊፆም። ብመሰረት…

ኢትዮጵያ ብምውካል ኣብ ፌስቲቫል ሙዚቃ ባህሊ ኣፍሪካ ዝተሳተፈ ጉጅለ ሙዚቀኛታት ባህሊ ክልል ደቡብ ተዓዋቲ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ብምውካል ኣብ ፌስቲቫል ሙዚቃ ባህሊ ኣፍሪካ ዝተሳተፈ ጉጅለ ሙዚቀኛታት ባህሊ ክልል ደቡብ ተዓዋቲ ኮይኑ። ጉጅለ ሙዚቀኛታት ባህሊ ክልል ደቡብ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 23 ሕዳር 2012 ዓ.ም ኣብ ኣብ ፌስቲቫል ሙዚቃ ባህሊ ኣፍሪካ…