Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ መግለፂ ታሕጓስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ሃረሪን ዞባ ወላይታን ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ መርሃ ግብሪ መግለፂ ታሕጓስ ኣብ ክልል ሃረሪን ዞባ ወላይታን ተሳሊጡ። ኣብ ክልል ሃረሪ ኣብ ዝተሳለጠ ድሙቕ መርሃ ግብሪ፥ ላዕለዎት መራሕቲ ስራሕ እቲ ክልል፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣባገዳታት፣ መናእሰይን…

ባንኪ ዓለም ንህንፀት ዓቕሚን ስልጠናን ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዝውዕል ገንዘባዊ ሓገዝ 150 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ንህንፀት ዓቕሚን ስልጠናን ኢኒስቲትዩ ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዝውዕል ገንዘባዊ ሓገዝ 150 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣፅዲቑ። እቲ ገንዝባዊ ሓገዝ ንምህናፅ ደረጅኡ ዝሓለወ ሳልሳይ ብርኪ ላቦራቶሪ ባዮሴፍቲ፣ ኣብ ኩለን…

ሽልማት ኖቤል ሰላም እወንታዊ ገፅታ ሃገርና ንዓለም ንምፍላጥ ዘኽእል ፅቡቕ ዕድል ሒዙ ዝመፅአ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሽልማት ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 እወንታዊ ገፅታ ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥ ዘኽእል ፅቡቕ ዕድል ሒዙ ዝመፅአ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቦም። ሎሬት ኖቤል ሰላም ዓለም ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ሎሚ ንጎሆ…

በዓል ጥምቀት ኣብ ዩኔስኮ ዘይድህሰስ ሓድጊ ኮይኑ ንኽምዝገብ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ጥምቀት ዘይድህሰስ ሓድጊ ኮይኑ ንኽምዝገብ ምውሳኑ ትካል ባህሊ፣ ትምህርቲ ሳይንስን ውድብ ሕቡራ መንግስታት(ዩኔስኮ) ኣፍሊጡ። ኮሚቴ ዩኔስኮ፥ ኣብ ኮሎምቢያ- ቦጎታ ኣብ ሓለዋ ሓድጊታት ኣድሂቡ እናሳለጦ ዝርከብ ኣኼባ ኢዩ ኣከባብራ በዓል…

ሎሬት ኖቤል ሰላም ዓለም ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ኣቀባብላ ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሬት ኖቤል ሰላም ዓለም ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ፣ ኣዲስ ኣበባ እንትበፅሑ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዕለተ ሰሉስ ኣብ ኖርዌይ፣ ኦስሎ ኣብ ዝተሳለጠ ስነስርዓት፥…

ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ንልዕሊ 5 ሺሕ እስረኛታት ምሕረት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ጆን ማጉፉሊ ንልዕሊ 5 ሺሕ እስረኛታት ምሕረት ምግባሮም ኣፍሊጦም። እቲ ምሕረት፥ እታ ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናፃ ዝወፀትሉ መበል 58 ዓመት ክብረ በዓል ምኽንያት ብምግባር ዝተገበረ ምዃኑ ተገሊፁ። ብመሰረት እዚ 5…

ኣብ ወረዳ ኢሮብ ፈለማይ ዩኔን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ወረዳ ኢሮብ ፈለማይ ዝኾነ ዩኔን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ተጣይሹ። ኣብቲ መድርኽ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ዩኔን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣይተ ሰሎሞን ኣብርሃ፥ እታ ዩኔን 26 ሕዳር 2012 ዓ.ም ከምዝተጣየሸትን "መሰረታዊ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኖርዌይ መዘነኦም ኤርና ሶልበርግ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኖርዌይ ኤርና ሶልበርግ ዘትዮም። እቶም መራሕቲ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ኣብ ኢትዮጵያ እናተሳለጡ ዝርከቡ ናይ ለውጢ ስራሕቲን ህንፀት ዴሞክራሲን ኣድሂቦም ዘትዮም።…

ንዘመናት ጠፊኣ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ ኢትዮጵያ ብተመራመርቲ ስነ ኳዕቲ ተረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተመራመርቲ ስነ ኳዕቲ፣ ተቐቢራ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ ኢትዮጵያ ከምዝረኸቡ ገሊፆም። እታ ከተማ ቤተ ሰማዕቲ ዝብል መፀውዒ ሽም ዝሓዘት እንትትከውን ን1400 ዓመታት ዝኣክል ሰባት ይነብሩላ ከምዝነበሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። ቤተ ሰማዕቲ፥ ኣካል…

ንቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ፅባሕ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ክግበረሎም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ንዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ፅባሕ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ከምዝካየድ ተገሊፁ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ትማሊ ኣብ ኖርዌይ ኦስሎ ብዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ሽልማት ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019…