Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልላት ዓፋርን ሶማሌን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍልፋል ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ምስ ኣክዋ ፓወር ስዑዲ ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ኣክዋ ፓወር ስዑዲን ኣብ ክልላት ዓፋርን ሶማሌን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍልፋል ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም። እቲ ሰነድ ስምምዕነት መንግስቲን ውልቀ መሻርኽቱን፥ ጋድን ዲቼቶን ኣብ ዝበሃሉ ከባቢታት ክልቲአን ክልላት ሓይሊ ኤሌክትሪክ…

ኢትዮጵያን ፈንድ ልምዓት ስዑዲ ዓረብን ሰነድ ስምምዕነት ልቓሕ 140 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ፈንድ ልምዓት ስዑዲ ዓረብን ሰነድ ስምምዕነት ልቓሕ 140 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሎሚ መዓልቲ ተፈራሪሞም። ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ምክትል ኣቦ መንበር ፈንድ ልምዓት ስዑዲ ዓረብ ካሊድ…

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ኤምባሲ ፈረንሳይ ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳይኛ ንምሃብ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ቋንቋ ፈረንሳይኛ ብደረጃ ድግሪ ከምህር ምድላዋቱ ከምዝወገነ ተሓቢሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ፌድሪክ ቦንተምስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተረኺቦም ኣብቲ ዩንቨርስቲ ዝወሃብ ዘሎ ትምህርቲ ፈረንሳይኛ ኣብ…

ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ፈላማይ ምድላው ሙዚቅኡ ኣብ ከተማ ከረን ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ፈላማይ ምድላው ሙዚቅኡ ኣብ ከተማ ከረን ትማሊ ኣቕሪቡ። እቶም ኣባላት ባህላዊን ዘመናዊን ትሕዝቶ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ምስንዳኣት ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ስታዲዮም ከረን ከምዘቕረቡ ተገሊፁ።…

ትራምፕ ተኸሲሱ ኣብ ሰኔት ኣሜሪካ ዝቐርብ ሳልሳይ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝኽሰሱ ሳልሳይ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኮይኖም። እቲ ክሲ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ናብ ቤት ፍርዲ ሰኔት ኣሜሪካ ከቕርቦም 'ዩ። እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ኣብ ስልጣን ናይ ምፅናሕ…

ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ምክትል ፕሬዚዳንት ሴካፋ ኮይኖም ተመሪፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ) ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ምክትል ፕሬዚዳንት ሴካፋ ብምዃን ተመሪፆም። ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ማእኸላይን ምብራቕን ኣፍሪካ/ሴካፋ/ ፕሬዚዳንትታት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ እተን ሃገራት ዝተሳተፍሉ ስሩዕ ኣኼብኡ…

ኣብ ወረዳ ሓውዜን 3 ሓናጡ ተወሊዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 08 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነባርነተን ኣብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ቆራሮ ዝኾና ወ/ሮ ማኣዛ ገብረዋህድ ሓጎስ ዝተብሃላ ወላዲት ኣብ መባእታዊ ሆስፒታል ፍረ ሰማእታት ሓውዜን 3 ሓናጡ ተገላጊለን። ኣብቲ ሆስፒታል በዓል ሞያ ዝተዋደደ ሃንደበታዊ መጥባሕቲ ኣይተ ተኽለማርያም…

ንቐፃሊ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ዘገልግሉ ናውቲታት ምርጫ ኣብ ዱባይ ብዕሊ ምሕታም ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 08 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንቐፃሊ ሃገራዊ ምርጫ ዘገልግሉ ናውቲታት ምርጫ ኣብ ዱባይ ብዕሊ ምሕታም ከምዝተጀመረ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሕትመት እቲ ናውቲ ብዕሊ ዘፈለማ ኣካቢት ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚዴቅሳ፥ እቶም ናውቲ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ምሕታም…

ኣባላት ኦዲፒ ኣብ ክሊ ኣገዳስነት ፓርቲ ብልፅግና ኣድሂቦም ኣብ ኣዳማ ከሳልጥዎ ዝቐነዩ ዘተ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 08 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣባላትዴሞክራቲክ ፓርቲ ኦሮሞ (ኦዲፒ) ኣብ ክሊ ኣገዳስነት ፓርቲ ብልፅግና ኣድሂቦም ኣብ ከተማ ኣዳማ፣ ኣዳራሽ ኣባ ገዳ ንሰለስተ መዓልታት ከሳልጥዎ ዝቐነዩ ዘተ ተዛዚሙ። ኣብ ስነ-ስርዓት ምዝዛም እቲ መድረኽ፥ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል…

ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ኢትዮጵያ ዝወፅአ ገንዘብ ንምምላስ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 08 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ካልኦት ሃገራት ዝወፅአ ገንዘብ ንምምላስ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ። እቲ ሃፍቲ ኣብ መሓዉር መንግስቲ ዝነበሩን ምስኣቶም ርክብ ብዝነበሮም ሰብ ሃፍቲን ኣቢሉ ካብ ሃገር ክወፅእ ከምዝተገበረ…