Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ነበርቲ ከተማ ያቤሎ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ትርከብ ከተማ ያቤሎ ምስ ዝርከቡ ነበርቲ ተዛትዮም። ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ ድማ፥ ነበርቲ እታ ከተማ ዘለዎም ናይ ፍቕሪን ሰላምን ባህሊ ብሓድነት ኣፅኒዖም ንኢኮኖሚያዊን…

ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኦስትሪያ ልዑል መጥቃዕቲ ሳይበር ምፍፃሙ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ልዕሊ ሚኒስቴር ቤተ ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ ኦስትሪያ ልዑል መጥቃዕቲ ሳይበር ምፍፃሙ ተገሊፁ። እቲ መጥቃዕቲ፥ ብካሊእ ሃገር ዝተቐነባበረ ኢዩ ዝብል ግምት ከምዘለዎ ሚኒስቴር ቤተ ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ…

ሃያሉ ጎደፋይ ኣቦ መንበር ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብምዃን ተመሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሃያሉ ጎደፋይ ኣቦ መንበር ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ(ሳወት)ብምዃን ተመሪፁ። ኣሉላ ሃይሉ ድማ ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ብምዃን ከምዝተመረፀ ተገሊፁ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፥ ዝሓለፉ ቀዳመ ሰንበት መስራቲ ጉባኤኡ ብምክያድ…

ኣልሸባብ ኣብ ወተሃደራዊ መደብር ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣልሸባብ ኣብ ኬኒያ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደብር ኣሜሪካ ትማሊ ብዝተፈፀሞ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም። በቲ መጥቃዕቲ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት፥ ሓደ ወተሃደርን ክልተ ኮንትራክተራትን ከምዝኾኑ ተገሊፁ። ካልኦት ግዳያት እዚ መጥቃዕቲ ዝኾኑ…

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ን120 ነበርቲ 25 መንበሪ ኣባይቲ ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ን120 ነበርቲ 25 መንበሪ ኣባይቲ ኣረኪቡ። እቶም መንበሪ ኣባይቲ፥ ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆሰስ ፍሉይ ሽሙ ጨርቆስ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ኣብ ኣፀጋሚ ናብራ ንዝነበሩ ዓቕሚ ዘይብሎም…

ፅሬት ዘይብሎምን መድሓትነቶም ዘይተረጋገፀን ፍርያታት እናሸጡ ዝተረኸቡ ዜጋታት ወፃኢ ሃገር ኣብትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ባዛራት ፅሬት ዘይብሎምን መድሓትነቶም ዘይተረጋገፀን ፍርያታት መድሓኒት እናሸጡ ዝተረኸቡ ሸውዓተ ዜጋታት ወፃኢ ሃገር ውልቀ ሰባት ኣብትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም። በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢን መድሓኒትን ምስ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ብምትሕብባር፥ እቶም…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ናብ ዞባ ቦረና ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ሎሚ መዓልቲ ኣምሪሖም። ኣብ ከተማ ያቤሎ እንትበፅሑ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሎም። ኣብቲ ጉዕዞ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ሓዊሱ፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል…

መግለፂ ቅዋም ቀዳማይ ህፁፅ ጉባኤ ህወሓት

ኣብ ታሪኽ ውድብና ንፈለማ ግዜ ካብ ታሕሳስ 25 ክሳብ 26 /2012 ዓ/ም ንተኸታታሊ ክልተ ማዓልቲ ''ጉባኤ ፅንዓትን መኸተን '' ብዝብል መሪሕ ቃል ዘካየድናዮ ታሪኻዊ ቀዳማይ ህፁፅ ጉባኤ ብዓወት ተዛዚሙ ኣሎ። ከምቶም ሕሉፋት ጉባኤታትና ህፁፅ ጉባኤና ‘ውን ንህልው መድረኽ ብዝግባእ ገምጊሙ ቀፃሊ…

ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ኤሌክትሮኒክስ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ኤሌክትሮኒክስ ኢትዮጵያ ኣብ ቤትፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ኮይኑ። ኣብቲ ስነስርዓት ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ሚኒስትራት፣ ኣምባሳደራት፣ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ትካላትን ብኽብሪ…

ኣመሪካ ናብ ማእኸላይ ምብራቕ 3 ሽሕ ሰራዊት ከምእትልኽ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመሪካ ናብ ማእኸላይ ምብራቕ 3 ሽሕ ሰራዊት ከምእትልኽ ኣፍሊጣ። ቅትለት ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢራን ቃሲም ሶለይማኒ፥ ኲናት ንምጅማር ዘይኮነስ ደው ንምባል ዝተገበረ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ገሊፆም። ነቲ ዓርቢ ኣብ…