Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ልኡኽ ኩባኒያ ኑክቴክ ቻይና ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኩባኒያ ኑክቴክ ቻይና ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም። እቲ ልኡኽ ኣብ ዙርያ መቆፃፀሪ ጣቢያ ጉምሩኽ ክትከሉ ዝግበኦም ማሽናት ስራሕ ንምጅማር ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምፅኡ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ፥ ጣቢያታት ፍተሻ…

ማላዊ ምሕዝነት ኢትዮጵያ ከምትደሊ ፕሬዚዳንት ፒተር ሙታሪካ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚደንት ማላዊ ፕሮፌሰር ፒተር ሙታሪካ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነት ናብ ስትራቴጂካዊ ርክብ ክዓቢ ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም። ፕሮፌሰር ሙታሪካ፥ መቐመጢኦም ኣብ ናይሮቢ ብምግባር በዓል ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ፌዴሪኢ ኮይኖም ናይ ዝተሾሙ…

ኣብ ከተማ መቐለ ልዕሊ 65 ኪሎ ሜትሮ ፅሬቱ ዝሓለወ መገዲ ኣስፋልት ይህነፅ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓታት ብእዋኑ ተዛዚሞም ኣገልግሎት ንኽህቡ ካብ ግብሪ ዝኽፈል ገንዘብ ብኣግባቡ ክእከብ ከምዝግባእ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ፀዊዑ። ኣብ ምእካብ ግብሪ ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ትማሊ ተሳሊጡ።…

ኣሜሪካ ኣብ ኢራን እትወስዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ዝውስን ሕጊ ኣፅዲቓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኲናት ንምልዓል ዘኽእሎም ስልጣን ክውሰን ዝገብር ውሳነ ኣሕሊፉ። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ሓደጋ ኣብ ዘንፀላለወሉ እዋን እንተዘይኮይኑ፥ ኣብ ልዕሊ ኢራን ስጉምቲ…

ዓለምለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ልዕሊ 539 ሚልየን ብር ትርፊ ምርካቡ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለምለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ ኣብዛ ሃገር ዘጋጠመ ቁጠባዊ ቅልውላው ብምፅዋር ልዕሊ 539 ሚልየን ብር ትርፊ ምርካቡ ኣፍሊጡ። እቲ ባንኪ ነዚ ዘፍለጠ ኣፈፃፃማ ስራሕ 2011 ዓ/ም ብዝምልከት ምስ ሰብ ዋና ኣክስዮን፣ ማሕበረሰብ ንግድን መድረግቲ ኣካላትን…

ሰለስቲኣዊ መድረኽ ዘተ ግድብ ህዳሰ ብዘይስምምዕ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣድሂቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ ዝፀንሐ ሰለስቲኣዊ ዘተ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ብዘይስምምዕ ተዛዚሙ። እቲ ዘተ ሚኒስትራት ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዝተረኸቡሉ ዝተሳለጠ እንትኸውን፥ እቲ ቴክኒካዊ ኣኼባ ኣብ…

ማራቶን ሞተርስ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ምግጥጣም ክጀምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ማራቶን ሞተርስ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ምግጥጣም ክጀምር ኢዩ። እቲ ኩባኒያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ እተን ዝገጣጠማ ተሽከርከርቲ ፍሪያታት ሃዩንዳይ ኢየን። እቲ…

ኣብ ክልል ደቡብ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 4 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ጋሞ፣ ወረዳ ምእራብ ኣባያ ሎሚ መዓልቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ኣርባዕተ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም። ካብ ከተማ ኣርባምንጭ ብምብጋስ ሰባት ኣሳፊራ እትጓዓዝ ዝነበረት ሚኒባስ ሎሚ ንጎሆ ሰዓት 2:30 ብምግልባጣ ኢዩ እቲ ሓደጋ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኒሻን ክብሪ ኢኳቶሪያል ጊኒ ተሸሊሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኒሻን ክብሪ ኢኳቶሪያል ጊኒ ተሸሊሞም ።   እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ሰላም ብምዕሳል ብመንፅር ኣፍሪካ ንዝገበሩዎ ኣስተዋፅኦ ዝተውሃበ ሽልማት ከምዝኾነ ድማ…

ኢትዮጵያን ዓለም ለኻዊ ፈንድ ልምዓት ግብርናን ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ ገንዘብ 305 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ዓለም ለኻዊ ፈንድ ልምዓት ግብርናን(ኢፋድ) ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ ገንዘብ 305 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን። ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጣሊያን ወይዘሮ ዘነቡ ታደሰን ፕሬዚዳንት ጊልበርት ሆንጉቦን ክታሞም…