Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ሪፎርም ስፖርት ዘድሃበ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ ሲ)ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ትግራይ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ሪፎርም ስፖርት ኣድሂቡ ምስ ኣመራርሓ ወረዳ፣ ፌደሬሽንን ኣብያተ ዕዮ መንግስትን እናተዛተየ ምዃኑ ገሊፁ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ቀፅሪ ዓዲ ሓቂ ካምፓስ ዝሳለጥ ዘሎ እቲ ዘተ፥ ብብርኪ…

ሚኒስቴር ሰላም ምስ ሓለፍቲ ኮሚሽነራት ኣመሓደርቲ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ክልላት ተዛትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣07 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ሰላም ምስ ሓለፍቲ ኮሚሽነራት ኣመሓደርቲ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ክልላት ምዝታዩ ኣፍሊጡ። እቲ ዘተ ኣብ ማንዋል መፈፀሚ ዘይሻራዊ ጉጅለ ኣማኻሪን ፕሮግራም ብሄራዊ ገባሪ ሰናይ ኣገልግሎት ማሕበረሰብን ዘድሃበ ምዃኑ ተግሊፁ። ሚኒስትር ሰላም…

ኣብ ትግራይ ኣብ ምንካይ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ኣለዎ ተባሂሉ

ኣዲስ አበባ፣ 07 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣብ ምንካይ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ከምዝግባእ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉደያት ማሕበራዊ ገሊፁ። እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ፥ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ሽድሽተ ኣዋርሕ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ገምጊሙ። ብመሰረት እዚ…

ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ኣብ ግልጋሎት ጥዕና ኣዶታትን ህፃናትን ምምሕያሽ ተራእዩ – ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ አበባ፣ 07 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ግልጋሎት ጥዕና ኣዶታትን ህፃናትን ምምሕያሽ ከምዝተርኣየ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ደቡብን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብሓገዝ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ /ዩ ኤስ ኤ አይ ዲ/…

ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ክሳለጥ ዝፀንሐ ዘተ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ክሳለጥ ዝፀንሐ ዘተ ብዝሓሸ ውፅኢት ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ። ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ፣ ሚኒስትራት ማይን ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ሰለስቲአን ሃገራትን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 13…

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ምስ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ምስ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ተዛቲዮም። እቲ ዘተ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢን ሚኒስትራት ማይን ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዋሽንግተን የሳልጥዎ ምስ ዘለዉ መድረኽ…

ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ምስ መስራቲ ዓለም ለኸ ሕብረት መናእሰይ ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ወይዘሮ ኣልማዝ መኮንን ምስ መስራቲ ዓለም ለኸ ሕብረት መናእሰይ ዶክተር ኦክ ሶ ፓርክ ተዛትየን። እተን ሚኒስትር ዲኤታ ኣብ ዘተአን፥ ብሄራዊ ፕግራም ግልጋሎት ገባሪ ሰናይ ብምድላው መናእሰይ ተረባሕቲ እቲ ፕሮግራም ንምግባር…

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 22 ነጥቢ 04 ቢሊየን ብር እቶት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 2012 ዓ.ም 22 ነጥቢ 04 ቢሊየን ብር ሓፈሻዊ እቶት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ። እቲ ዝተረኸበ እቶት ምስ ተመሳሳሊ እዋን ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ብ32 ሚኢታዊ ወሰኽ ኣለዎ። ብተወሳኺ ሸርፊ ወፃኢ…

ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ዘሰልጠኖም ኣባላት ኣመራርሓታት ዳይሬክቶሬት ፀፅታን ምኽባር ሕጊን ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ዘሰልጠኖም ኣባላት ኣመራርሓታት ዳይሬክቶሬት ፀፅታን ምኽባር ሕጊን ኣመሪቑ። እቲ ስልጠና ንሓደሽቲን ነባራትን ኣመራርሓታትን ኣባላትን ኮሚስን ፖሊሽ ፌዴራል ዓውዲ ምክልኻል ገበንን ዳይሬክቶሬት ፀፅታን ምኽባር ሕጊን ዝተውሃበ ኢዩ።…

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ዝተፈላለዩ ሹመታት ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ዝተፈላለዩ ሹመታት ሂቡ። ብመሰረት እዚ፦ ኣይተ ኣሕመድ ቱሳ - ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ተቖፃፃሪ ኣቕርቦትን ምክፍፋልን ነዳዲን ውፅኢት ነዳዲን ኣይተ ወልደኣብ ደምሴ- ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ…