Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወርሒ ጉንበት 12 ከተማታት ተረባሕቲ ግልጋሎት ዝህደስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክኾና ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ጉንበት 2012 ዓ.ም 12 ከተማታት ተረባሕቲ ኣገልግሎት ዝህደስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝኾና ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሓበሬታታት ከምዝሕብሩዎ ተበፃሕነት ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ 44 ሚኢታዊ ጥራሕ ኢዩ።…

ሃገር ለኸ ፈተና ዓመተ 2012 ዝወሃበሉ ግዘ ሰሌዳ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ ሃገር ለኸ ትምህርቲን ምዘናን ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2012 ሃገር ለኸ ፈተና ዝወሃበሉ ግዘ ሰሌዳ ዕላዊ ገይሩ። ብመሰረት እዚ ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ፥ ካብ 24 ክሳብ 27 ጉንበት 2012 ዓ.ም ክወሃብ ኢዩ።…

ኢትዮጵያ ሰፊሕ ሓይሊ ሰብን ኣማራፂ ዕዳጋን ዝሓዘት ንኢንቨስትመንት ምዕርይቲ ሃገር ኢያ – ቀ/ይ ሚ/ር ጀስቲን ተሩዶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ሰፊሕ ሓይሊ ሰብን ኣማራፂ ዕዳጋን ዝሓዘት ንኢንቨስትመንት ምዕርይቲ ሃገር ምዃና ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ተሩዶ ተዛሪቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዛዚሞም ሎሚ መዓልቲ…

ፈላማይ ሃገር ለኸ ባዛርን ኤግዚቬሽንን ኣብ ከተማ ዛlaኣንበሳ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፈላማይ ሃገር ለኸ ባዛርን ኤግዚቬሽንን ኣብ ከተማ ዛ/ኣንበሳ ተጀሚሩ። እቲ ባዛር ቁጠባዊ ዓቕሚ እታ ከተማ ንምዕባይ ዓሊሙ ዝሳለጥ ዘሎ እንትኸውን፥ ኣብ መንጎ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ዘሎ ጅማሮ ሰላምንኢኮኖሚን ክብ ኣብ ምባል ዕዙዝ ግደ ክፃወት…

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ሱዳን ካብ መዝገብ ሃገራት ፈጠርቲ ራዕዲ ክትሕከኽ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ሱዳን ካብ መዝገብ ሃገራት ፈጠርቲ ራዕዲ ክሕከኽ ሓቲቶም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተረኸቡ ዋና ፀሓፊ ኣንቶንዮ ጉተሬዝ፥ እታ ሃገር የጓንፍዋ ካብ ዘለዉ ብድሆታት ቀልጢፋ…

ኣፍሪካውያን መሰል ህፃናት ንኽኽበር ኣበርቲዖም ክሰርሑ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካውያንን መራሕቶምን መሰል ህፃናት ንኽኽበር ኣበርቲዖም ክሰርሑ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን። ኣብ ኣፍሪካ ብዝፍጠር ጎንፂን ኲናትን ዝጉድኡ ህፃናት ትኹረት ዝገበረ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ። ኣብቲ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ኣቢይ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ተዛትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት፥ ኣብታ ሃገር ዘላቒ ሰላም ምዕሳል ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም ምዝታዮም ሓላፊ ቤት…

ኣብ ቅንያት ለካቲት ኣብ ከተማ መቐለ ሓሙሽተ እምነ ኩርናዓት ክቕመጡ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ) መበል 45 ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ምኽኒያት ብምግባር ሽዱሽተ ለካቲት 2012 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ሓሙሽተ እምነ ኩርናዓት ከምዝቕመጡ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ፦ 1.…

ኣብ ቻይና ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 97 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቻይና ትማሊ ዕለት ጥራሕ 97 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ። እቲ ቁፅሪ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ዝተመዝገበ መጠን ዝለዓለ እንትኸውን፥ ብቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሪ ናብ 908 ንኸዓቢ…

መልእኽቲ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

"ህዝቢ ትግራይ ን 17 ዓመታት ኣብ ዘካየዶ መሪር ዕጥቃዊ ቓልሲ ንምእማኑ ዘፀግም ኹለ መዳይ መስዋእትነት ብምኽፋል ታሪኻዊ ሕዝባዊ ዓወት ንኽተመዝግብ መሰረት ቓልስኻ ዝኾነት 11 ለካቲት እንኳዕ ኣብፀሓካ ኣብፀሓና። ኹሉ ዝተኻየደ መሪር ተጋድሎ መስዋእትነትን መጉዳእትም ዝተመዝገበ ዓወትን ትርጉም…