Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ሳሙኤል ብሓንቲ ማይል ካልኣይ ቅፅበታዊ ሰዓት ዓመተ 2020 ኣመዝጊቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ ብሓንቲ ማይል ካልኣይ ቅፅበታዊ ዓለም ለኻዊ ሰዓት ዓመተ 2020 ኣመዝጊቡ። ውድድር ሓንቲ ማይል ውሽጢ ገዛ ትማሊ ኣብ ኣየርላንድ፣ ኣትሎን ተኻይዱ። ብመሰረት እዚ ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ ነቲ ውድድር ብ3 ደቒቓ…

ካብ ህንዲ ዝመፅኡ 14 ሰብ ሞያ ኣብ ኢትዮጵያ ናፃ ግልጋሎት ሕክምና ይህቡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣባባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ህንዲ ዝመፅኡ 14 ሰብ ሞያ ካብ ዝሓለፈ ዕለተ ሰኑይ ጀሚሮም ኣብ ኢትዮጵያ ናፃ ግልጋሎት ሕክምና ይህቡ ኣለዉ። ምክትል ግልጋሎት ሕክምና ኮሌጅ ሜዲካል ሚኒሊየም ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ፕሮቮስት ዶክተር ሊያ ተፈራ፥ እቲ ሕክምና ኣብቲ ትካል…

መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣባባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ይኽበር ኣሎ። ሎሚ ዘበን ዝኽበር ዘሎ በዓል 11 ለካቲት፥ “መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ” ዝብል መሪሕ ቃል ዘለዎ ኢዩ። ብመሰረት እዚ…

ኣርቲስት ጀምበሬ በላይ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ተዋስኦ መድረኽ ልዕሊ 40 ዓመታት ዘገልገሉ ኣርቲስት ጀምበሬ በላይ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም። ኣርቲስት ጀምበሬ በላይ ካብ 1949 ክሳብ 1953 ዓ.ም ኣብ “ሃገር ፍቅር ማህበር” ኣገልጊሎም። ከምኡ'ውን ካብ 1953 ክሳብ 1988 ዓ.ም…

ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ኣብ ዝገብርዎ ዑደት ኣብ ክሊ መሰልን ረብሓን ኢትዮጵያውያን ዘኽብሩ ዛዕባታት ልዝብ ከምዝገብሩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሕቡራት ኢሜሬታት ዓረብ ኣብ ዝገብርዎ ዑደት ኣብ ክሊ መሰልን ረብሓን ኢትዮጵያውያን ዘኽብሩ ዛዕባታት ልዝብ ከምዝገብሩ ተገሊፁ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብታ ሃገር ኣብ ዝገብርዎ ንሰለስተ መዓልታት…

ክልተ ሰገናት ዓጊቱ ገንዘብ ዝሓተተ ውልቀ ሰብ 25 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ተበይኑሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ማእኸል ጎንደር ወረዳ ጠገዴ ክልተ ሰገናት ካብ ምጉሳይ ከፍቲ ዓጊቱ ገንዘብ ዝሓተተ ውልቀ ሰብ 25 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ተበይኑሉ። አገሬ የኋላሸት ዝተብሃለ ተኸሳሲ፥ ሁናቸው ማስረሻ ንዝተብሃለ ወዲ 17 ዓመት ሰገን 4…

ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ ምስ ዋና ዳይሬክተር ዩ ኤን ሃቢታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ ምስ ዋና ዳይሬክተር ዩ ኤን ሃቢታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ማይሙና ሙሓመድ ሻሪፍ ተዛትየን። ኣብ እዋን እቲ ዘተ ድማ ለውጢን ምዕባለን ከተማታት ከምፅኡ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያ ኣድሂበን…

ዘይተዳለወ ኣመርርሓ ሃገርን ህዝቢን ከገልግል ኣይኽእልን – ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መዕፀዊ ስነ ስርዓት ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ተሳሊጡ። ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተኻየደ እቲ መዕፀዊ ስነስርዓት፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲን ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ተረኺቦም መጠቓለሊ መልእኽቲ…

ማረት ልዕሊ 100 ሽሕ ህዝቢ ተጠቃሚ ዝገብር ስራሕቲ ፅሩይ ዝስተ ማይ ወጊና

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ 450 ናቑጣታት ማይን ሰለስተ ዝርገሐ መስመር ማይን ብምውጋን ልዕሊ 100 ሽሕ ህዝቢ ተጠቃሚ ከም ዝገበረት ማሕበር ረድኤት ትግራይ ኣፍሊጣ። ኣብ ማሕበር ረድኤት ትግራይ ተጠባባቒ ዳሬይክተር…

ኣብ ከተማ ዉሃን ብውሑዱ 500 ሰራሕተኛታት ሕክምና ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቻይና ከተማ ዉሃን ብውሑዱ 500 ሰራሕተኛታት ሕክምና ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ። ንፈለማ ግዘ እቲ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝተርኣየላ ከተማ ዉሃን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙን ንሕልፈት…