Fana: At a Speed of Life!

ድሙቕ ቅያ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣቦሓጎታትና ዓቂብና ሓዱሽ ታሪኽ ክንፅሕፍ ኢና – መንግስቲን ክልል ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ድሙቕ ቅያ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣቦሓጎታትና ዓቂብና ሓዱሽ ታሪኽ ክንፅሕፍ ኢና ክብል ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ ሰሙናዊ መልእኽቲ ኣፍሊጡ። ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግልፂ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ ድሙቕ ቅያ፣ መበል 19…

ናይ ሚኒስትር ድሕንነት ደቡብ አፍሪካ ስልኪ ተጠሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ድሕንነት ደቡብ አፍሪካ ኣያንዳ ድሎድሎን ምክትለንን ስልኪ ምጥላፉ ተገሊፁ። መርመርቲ እታ ሃገር ናይተን ሚኒስትርን ካልኦት መሳርሕተንን ስልኪ ብኸመይ ከምዝተጠለፈ እናተፃረየ ምዃኑ ገሊፆም። እቶም ጠለፍቲ ዝተፈላለዩ ሰነዳትን ዝተፈላለዩ…

ዘይሕጋዊ ሰነዳት እናሓተመ ዝነበረ ተጠርጣሪ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ የተለያዩ ዘይሕጋዊ ሰነዳት እናሓተመ ዝተረኸበ ተጠርጣሪ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ። እቲ ተጠርጣሪ፥ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ወረዳ ሽዱሽተ ብልምዲ ጨው በረንዳ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ብሓበሬታ…

90 ኢትዮጵያውያን ካብ ታንዛኒያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ግዳይ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዝኾኑ 96 ኢትዮጵውያን ሎሚ መዓልቲ ካብ ታንዛኒያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። እቶም ተመለስቲ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝርከቡ እስር ቤታት ዝፀንሑ ምዃኖም ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ታንዛኒያ ኣፍሊጡ።…

ኢትዮጵያን ደቡብ ኮርያን ሰነድ ስምምዕነት ሓገዝ 27 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ደቡብ ኮርያን ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ልምዓት ዝውዕል ሰነድ ስምምዕነት ሓገዝ 27 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን። ክልቲአን ሃገራት ሰለስተ ሰነድ ስምምዕነታት ኢየን ተፈራሪመን። እቲ ስምምዕነት ኣብ ሽዱሽተ ዓመት ዝፍፀምን…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር ምንቅስቓስ ከበድቲ ተሸከርከረቲ ምምሕያሽ ሰዓት ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር ምንቅስቓስ ከበድቲ ተሸከርከረቲ ምምሕያሽ ሰዓት ተገይሩ። ብመሰረት እዚ ካብ ንጉሆ ሰዓት ሰለስተ ጀሚሩ ክሳብ ድሕሪ ሰዓት 10ን ፈረቓን ክንቀሳቐሳ ከምዝኽእላ ተገሊፁ። ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ምሸት ካብ ሰዓት 12…

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 2 ሺሕን 332 ተሃነፅቲ ሕጊ ብይቕሬታ ንምፍታሕ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 2 ሺሕን 332 ተሃነፅቲ ሕጊ ብይቕሬታ ንምፍታሕ ከምዝወሰነ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኣይተ ተኪኡ ምትኩ፥ እቲ ውሳነ መበል 45 ዓመት ፅምብል በዓል…

ሳይንስን ቴክኖሎጂን ትግራይ ምህዞ ንምምዕባል ዘኽእል ምምሕያሽ ፖሊሲ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ትግራይ ምህዞ ንምምዕባል ዘኽእል ስራሕቲ ምምሕያሽ ፖሊሲ ይስራሕ ምህላዉ ገሊፁ። “ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንልምዓት” ብዝበል መሪሕ ቃል ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ዝቕኒ መዳርግቲ ኣካላት ዝሳተፍሉ መድረኽ ዘተ ኣብ…

ቦርድ መረፃ ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ጉድኣት ኣካል ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ጉድኣት ኣካል ይዛተ ኣሎ። እቲ ቦርድ፥ ጉዱኣት ኣካል ኣብ ከይዲ መረፃ ዘለዎም ተሳትፎን ኣብ ጉዳይ ሓዱሽ ሕጊ መረፃን ኣድሂቡ ኢዩ እናተዛተየ ዝርከብ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥…

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ግልጋሎት ብሮድባንድ ኢንተርኔት ቅነሳ ዋጋ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ግልጋሎት ብሮድባንድ ኢንተርኔት ምምሕያሻትን ቅነሳ ዋጋን ምግባሩ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ንውልቀ ተጠቀምቲ ክሳብ 65 ሚኢታዊ፣ ንግልጋሎት VPN ክሳብ 72 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ንኢንተርፕራይዛት ክሳብ 69 ሚኢታዊ ዝበፅሕ ቅነሳ…