Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሰለስተ ዞባታት ትግራይ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ዳግም ከምዝተርኣየ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሰለስተ ዞባታት ትግራይ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ዳግም ከምዝተረአየ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ኣፍሊጡ። ይኹን እምበር እቲ ዕስለ ዛጊድ ከቢድ ጉድኣት ከምዘየብፀሐ ተሓቢሩ። ዳይሬክቶር ዳይሬክቶሬት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ባልዓት እቲ ቢሮ…

ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ፍልጠት ዝተደረኸ ሰላማዊ ድርድር ብምግባር ረብሓ ኢትዮጵያ ምኽባር ከምዝግባእ ተገሊፁ

አዲስ አበባ፣ መጋቢት 4፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክሊ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ሩባ ኣባይን ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ሙሁራት ተሳሊጡ። ብሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዝተዳለወ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆቴል ስካይ ላይት ኢዩ ተኻይዱ። ፕሬዚዳንታት…

ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ሃገር ኣቋራፂ ሻምፒዮና ኣፍሪካ ንምስታፍ ምድላው ንክገብሩ ናብ ካምፕ ዘእተዎም ኣትሌታት በቲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ሃገር ኣቋራፂ ሻምፒዮና ኣፍሪካ ንምስታፍ ምድላው  ንክገብሩ ናብ ካምፕ ዘእተዎም ኣትሌታት በቲኑ። እቶም ዝተመልመሉ ኣሰልጠንቲን ኣትሌታትን ኢትዮጵያ ብምውካል 30 መጋቢት 2012 ዓ.ም ኣብ ቶጎ፣ ሎሜ ንኽሳለጥ ኣብ…

በዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዘን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ሶፊ ግሪጎሪ ብቫይረስ ኮሮና  ከም ዝተትሓዛ ተገሊፁ። ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር እታ ሃገር ዝወፅአ መግለፂ ከምዝሕብሮ፥ እተን በዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚኒስትር ንግዝኡ ንብሕተን ተፈልየን ክፀንሓ እየን።…

ጉጅለ ሰብ ሃፍቲ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ንሓደ ሰሙን ዝፀንሕ ዑደት ንምክያድ ትማሊ ኣማሽዩ መቐለ ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጉጅለ ሰብ ሃፍቲ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ንሓደ ሰሙን ዝፀንሕ ዑደት ንምክያድ ትማሊ ኣማሽዩ መቐለ ኣትዩ። እቲ ብምክትል ፕሬዚዳንት ዴሞክራስያዊ ፓርቲ ሕብረት ሱዳንን በዓል ሃፍቲ ኣሸይድና መሓመድ ዑስማንን ዝምራሕ 12 ኣባላት ዝሓዘ…

ኢትዮጵያ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘለዋ ቅዋም ንምግላፅ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ጉጅለ ልኡኻት ልኢኻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘለዋ ቅዋም ንምግላፅ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ላዕለዎት ጉጅለ ልኡኻት እናለኣኸት ትርከብ። ብመሰርት እዚ ብፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኬንያ…

ቫይረስ ኮሮና ናብ ትግራይ ከይኣቱ ንምክልኻል ዘኽእሉ ስራሕቲ ንምውጋን ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ አብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ዓለም ስግአት ኮይኑ ዘሎ ቫይረስ ኮሮና ናብ ትግራይ ከይአቱ ንምክልኻል ዘኽእሉ ስራሕቲ ንምውጋን አብ ትግራይ ምስ ዝርከቡ ሰብ ሞያ ጥዕና ተዛትዩ። አብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኪኢላ ውሽጢዊ…

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ናይሮቢ ተራኺበን ተዛትየን። ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ናይ ሓደ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኢየን ሎሚ መዓልቲ ናብ ኬንያ ናይሮቢ ኣቲየን። ኣብ ፃንሒተን ድማ…

ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኣብደላ ሓምዶክ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምክትል ኢታማዦር ሹም ፌዴሪኢ ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዩጵያ ኣብ ሱዳን ዕላዊ ዑደት ስራሕ የሳልጥ ኣሎ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ፥ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኣብደላ ሓምዶክ ዝተፈተነ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር…

ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ክልተ ሹመታት ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንኽልተ ሓለፍቲ ስራሕ ሹመት ሂቦም፡፡ እቶም ተሸወምቲ ካብ 1 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ዝተሾሙሉ ሓላፍነት ከምዘገልግሉ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።…