Fana: At a Speed of Life!

በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት 29 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጠን። ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ናይ 68 ሰባት ምርመራ ቦራቶሪ ኣካይዱ ብቫይረስ…

ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ይኹን ግድብ ህዳሰ ንምዝዛም ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብዘይ ኣፈላላይ ከም ሓደ ሰራዊት ብሰዓራይ መንፈስ ክለዓል ይግባእ – ቀ/ሚ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ “ቫይረስ ኮሮና ክንከላኸሎ ኢና፤ ግድብ ህዳሰ እውን ክንዛዝሞ ኢና” ኢሎም። ህንፀት ግድብ ህዳሰ…

ኣብ መዓልቲ ክሳብ 400 ምርመራ ኮቪድ-19 ዝገብሩ መሳርሒታት ናብ ስራሕ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢንስቲትዮት ምርምር ኣርማዎር ሃንሰንን ብሄራዊ ማእኸል ምርመራን መፅናዕቲን ጥዕና እንስሳትን ምርመራ ኮቪድ-19 ተጀሚሩ። ክልቲአን ትካላት ኣርባዕተ ማሽናት ኣርቲ ፒሲኣር ብምጥቃም ኣብ መዓልቲ ክሳብ 400 ዝኣክል ምርመራ ኮቪድ-19 ከምዝገብራ…

ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍካ ኣብ ክሊ ቫይረስ ኮሮና ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍካ ሲሪል ራማፎሳ ኣብ ክሊ ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ኣድሂቦም ብስልኪ ተዛትዮም። እቶም ቀዳናይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ ፅዕንቶ ኮቪድ-19…

ኣብ ትግራይ ንመኸተ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ዝዉዕል ሒሳብ ቁፅርታት ባንኪ መተኣኻኸቢ እቶት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ግብሪ ሓይሊ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንመኸተ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ዝዉዕል ሒሳብ ቁፅርታት መተኣኻኸቢ እቶት ሰለስተ ባንኪ ዕላዊ ገይሩ። ብመሰረት እዚ፦ ሽም አካውንት፥ ቫይረስኮሮና ምክልኻል ድጋፍ መተኣኻኸቢ አካውንት ትግራይ ቢሮ…

ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ምስ ም/ፕሬዚዳንትን ላዕለዋይ ተወካሊን ፖሊሲ ድሕንነት ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፓ ጆሴፍ ቦሬል ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንትን ላዕለዋይ ተወካሊን ፖሊሲ ድሕንነት ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፓ ጆሴፍ ቦሬል ተዛቲዮም። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ኣፍሪካን ኣውሮፓን ብምኽኒያት…

ኣብ ትግራይ መሸጣ ጫትን ምክፍፋል ኣልኮላዊ መስተን ተኸልኪሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ዝርገሐ ቫይረስኮሮና ንምዕጋት ዓሊሙ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዝተኣወጀ ይዝከር። ስለዝኾነ ነቲ ኣዋጅ ዘፈፅም ኮማንድ ፖስት ትማሊ ተወሰኽቲ ውሳነታት ከምዘመሓላለፈ ተገሊፁ። ብመሰረት እዚ ኣብቲ ክልል ካብ 22 መጋቢት…

ኣብ ዞባታት ምዕራብ ኦሮሚያ ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ቴሌኮም ዳግም ክጅምር ከምዝተገበረ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዞባታት ምዕራብ ኦሮሚያ ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ቴሌኮም ዳግም ክጅምር ከምዝተገበረ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ሎሚ መዓልቲ ኣብዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብቶም ዞባታት ኣገልግሎት ቴሌኮም ዳግም…

ዩንቨርሲቲ መቐለ ንምክልኻል ሕማም ቫይረስኮሮና ሳኒታይዘር የፍርይ ምህላዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዩንቨርሲቲ መቐለ ንምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይረስ ዝውዕል ፈሳሲ መሐለዊ ንጽህና (ሳኒታይዘር) የፍርይ ምህላዉ ተገሊፁ። ክፍሊ ትምህርቲ ኬሚስትሪ'ቲ ዩንቨርሲቲ፥ ቅድም ክብል 140 ሊትሮ ሳኒታይዘር ከምዘፍረየ ተሓቢሩ። ሐዚ ድማ…

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 3 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት ብድምር 25 ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። እዚ ሓበሬታ ክሳብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን 1 ሺሕን 13 ምርመራ ላባራቶሪይ ከምዝተገበረ ዝገለፀ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ፥ ኣብ…