Fana: At a Speed of Life!

ንዘበነ ምህርቲ 2012/13 ዘገልግል ዕድጊት 14 ሚሊየን ቶን ዘመናዊ ዱኽዒ ከምዝተፈፀመ ሚኒስቴር ግብርና ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ግብርና ፌዴሪኢ ንዘበነ ምህርቲ 2012/13 ዘገልግል ዕድጊት 14 ሚሊየን ቶን ዘመናዊ ዱኽዒ ተፈፂሙ ናብ ዓዲ ውሽጢ ይኣቲ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ወይዘሮ ኣይናለም ንጉሴ፥ ካብቲ ዝተዓደገ ዘመናዊ ዱኽዒ እቲ 9…

ህዝበ ሙስሊም ፆመ ሮሞዳን ብፍሉይ ፀሎትን ሓሊዮትን ከሕልፎ ከምዝግባእ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጅ ዑመር ኢድሪስ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህዝበ ሙስሊም ፆመ ሮሞዳን ብፍሉይ ፀሎትን ሓሊዮትን ከሕልፎ ከምዝግባእ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጅ ዑመር ኢድሪስ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጅ ዑመር ኢድሪስ ፆመ ሮሞዳን ኣመልኪቶም ሎሚ መዓልቲ…

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ናብ ኣሜሪካ ዝግበር ኹሉ ዓይነት ስደት ከምዝእግዱ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ እዋን ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ናብ ኣሜሪካ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ስደት ከምዝእግዱ ኣፍሊጦም። እቲ እገዳ ወፃእተኛታት ናብታ ሃገር ኣትዮም ምንባርን ምስራሕን ዝኽልክል ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ። ምኽንያቱ ድማ…

ህዝቢ ትግራይ ንኣሽሓት ዓመታት ስልጣነታት ዝሃነፀ ህዝቢ እዩ – ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ ንህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት መግለፂ ቅዋም ዘርጊሑ።   እቲ ፎሮም ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ፥ ህዝቢ ትግራይ ንኣሽሓት ዓመታት ስልጣነታት ዝሃነፀ ህዝቢ እዩ ኢሉ።…

ኣብ ጣልያን  ብቫይረስኮሮና ተታሒዞም ዝነበሩ በዝሒ ሰባት ብምንካዩ ተስፋ ፈጢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ጣልያን ብቫይረስኮሮና ተታሒዞም ኣብ ሕክምና ዘለዉን ኣብ ገዝኦም ኣብ ምሕዋይ ዝርከቡን ሰባት ብዝሖም ከምዝነከየ ተገሊፁ። እቲ ለበዳ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ካብቲ ዝነበሮ ክንክይ እንተሎ ንፈለማ እዋን ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ። ትማሊ ሰኑይ በቲ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተመሓላሊፎም ኣብ ልዕሊ ዝተረኸቡ 268 ኣሽከርከርቲ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተመሓላሊፎም ኣብ ልዕሊ ዝተረኸቡ 268 ኣሽከርከርቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ዲቪዥን መዕበዪ ግንዛበ ህዝቢ ምክትል ኢንስፔክተር ሰሎሞን አዳነ፥ 195 ኣሽከርከርቲ ትርፊ ሰብ ብምስፋር፣…

ኣካላዊ ርሕቐት ብምሕላው ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ምሕጋዝ ይግባእ – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣካላዊ ርሕቐት ብምሕላው ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ምሕጋዝ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም፥ ኣካላዊ ርሕቐት ብምሕላው መንፈስ ምልጋስን ህንፀት ማሕበረሳባዊ…

ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ሰራሕተኛታት ፐብሊክ ሰርቪስ ምምሕያሽ ምውፋር ሰዓት ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ሰራሕተኛታት ፐብሊክ ሰርቪስ ምምሕያሽ ምውፋር ሰዓት ምግባሩ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ከምዝገለፆ፥ መንግስቲ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ሰራሕተኛታት ፐብሊክ ሰርቪስ ፌዴራልን ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ…

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም 111 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ላቦራቶሪ ዝተገበረሎም 396 ሰባት እቶም ሰለስተ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጠን። እቶም በቲቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኩሎም ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥…

ዩኒቨርስቲ ራያ ብኣስታት 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብር ዝዓደጎም ናውቲ መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ንሕብረተ ሰብ ሓገዝ ኣበርክቱ

አዲስ አበባ ፣ ሚያዚያ 11 ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርስቲ ራያ ብኣስታት 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝዓደጎም ናውቲ መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ንሕብረተ ሰብ ሓገዝ ኣበርክቱ። እቲ ዩኒቨርስቲ፥ ንመሐለዊ ፅሬት ዝውዕሉ ፈሰስቲ ሳሙና ኢዩ ኣብ ዞባታት ደቡብን ደቡብ ምብራቅን ትግራይ ንዝርከቡ…