Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ብሪታኒያ ብምኽንያት ተላባዲ ሕማም ኮቪድ-19 ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ ኣውሮፓ ዝለዓለ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ብሪታኒያ ብምኽንያት ተላባዲ ሕማም ኮቪድ-19 ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ ሃገራት ኣውሮፓ ዝለዓለ ኮይኑ። ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ካብ ጣሊያንን ስፔንን ብቑፅሪ ክዛይድ ክኢሉ ኣሎ። ሚኒስተር ጉዳያት…

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ስራሕቲ ፈጠራ ንዝርከቡ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስራሕቲ ፈጠራ ንዝርከቡ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብኢኖቬሽን ዶት ኮቪድ-19 ዶት ኢቲ (innovation.covid19.et) ኣቢሎም ዝበረታትዑ ሓሳባት ምህዞ…

ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ኣወሃህባ ግልጋሎት መናሃሪያታት ተዓዚበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ኣብ መናሃሪያታት ዘሎ ኣወሃህባ ግልጋሎትን ኮቪድ-19 ንምክልኻል ይስርሑ ዘለዉ ስራሕቲን ዑደት ኣካይደን። እተን ሚኒስትር፥ ኣብ መናሃርያታት ኣስኮ፣ መርካቶን ኣየር ጤናን ተረኺበን ኣወሃህባ ግልጋሎት…

ህንፀት ፕሮጀክታት ልምዓት መስኖ ካዛን ዳግመ ህንፀትን ፅገናን ተንዳሆ ፒ.ሲ.16ን ብብር 4 ነጥቢ 7 ቢሊየን ንምህናፅ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚሽን ልምዓት መስኖ ህንፀት ፕሮጀክታት ልምዓት መስኖ ካዛን ዳግመ ህንፀትን ፅገናን ተንዳሆ ፒ.ሲ.16ን ብብር 4 ነጥቢ 5 ቢሊየን ንምህናፅ ዘኽእል ምስ ሰለስተ ተቛረፅቲ ስምምዕነት ተፈራሪሙ። እቲ ኮሚሽን ዝተፈራረሞ ስምምዕነት፥ ምስ ኮርፖሬሽን…

ዶክተር ሊያ ኣብ ማእኸል ሕክምና ኮቪድ-19 ኤካ ኮተቤ ዑደት ኣካዪደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ማእኸል ሕክምና ኮቪድ-19 ኤካ ኮተቤ ዑደት ኣካዪደን። ብተላባዲ ሕማም ኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት ሕክምነኦም እናተኸታተሉ ኣብ ዝርከብሉ ማእኸል ኣብ ዝገበረኦ ዑደት፥ ኣወሃህባ ግልጋሎት ብዝበለፀ…

ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኩሎም ውድድራት ሊግ ዓመተ 2012 ከምዝተሰረዙ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኩሎም ውድድራት ሊግ ዓመተ 2012 ከምዝተሰረዙ ኣፍሊጡ። ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፌዴሬሽን ከምዝበሎ፥ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ምህላዋ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ለበዳ መዓዝ ኣብ ቁፅፅር ከምዝውዕልን እቶም…

መበል 79 ዓመት በዓል ዓወት ሃርበኛታት ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 79 ዓመት በዓል ዓወት ሃርበኛታት ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ተኸቢሩ። እቲ በዓል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ላዕለዎት ሰብ መዚ ምምሕዳር እታ ከተማን ተወከልቲ ሃርበኛታት ኣቦታትን ኣብ ዝተረኸብሉ ዝተኸበረ እንትኸውን፥ ከባቢ ኣራት ኪሎ ኣብ ዝርከብ ሓውልቲ…

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝሞቱ ሰባት ቁፅሮም 4 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 1 ሺሕን 47 ሰባት ምርመራ ላቦራቶሪ ከምዝተገበረሎም ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። ምርመራ ካብ ዝተገበረሎም እቶም ሓሙሽተ ብቫይረስ ኮሮና ምልካፎም ከምዝተረጋገፀ ድማ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ…

ኣሜሪካ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር ዝውዕል 3 ትሪልየን ዶላር ከምእትልቃሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)አዳሜሪካ ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ብምኽንያት እቲ ሕማም ዘጋጠማ ፅዕንቶ ኢኮኖሚ ንምምካትን ዝዓለመ 3 ትሪልየን ዶላር ክትልቃሕ እያ ተባሂሉ። እዚ መጠን ልቓሕ  ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ናይ መጀመርታ ከምዝኾነ ተገሊፁ።…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መረፃ ብዝምልከት ኣብ ዝተገለፁ ሰለስተ ዓንቀፃት ትርጉም ሕገ መንግስቲ ንክወሃብ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼብኡ፥ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን መረፃ ብዝምልከት ኣብ ዝተገለፁ ሰለስተ ዓንቀፃት ትርጉም ሕገ መንግስቲ ንክወሃብ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ኣፅዲቑ። እቲ…