Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም 241 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 03 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም 241 ምብፅሑ ተገሊፁ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ 29 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ዝገለፀ እንትኸውን፥ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ትማሊ ኣማስዩ…

ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ሓገዝ ንዝገብሩ ሰብ ሞያ ጥዕናን ካልኦት ሰብ ሞያን ሽፋን መድሕን ህይወት ክግበረሎም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 01 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ሓገዝ ንዝገብሩ ሰብ ሞያ ጥዕናን ካልኦት ሰብ ሞያን ሽፋን መድሕን ህይወት ንምሃብ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ። ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰን ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ትካል መድሕን ኢትዮጵያ…

ለበዳ ቫይረስኮሮና ቁፅሪ ሸቕሊ ኣልቦነት ኣብ ኣሜሪካ ብዝኸፍአ ኩነታት ክውስኽ ከምዝገበሮ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 01 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ለበዳ ቫይረስኮሮና ቁፅሪ ሸቕሊ ኣልቦነት ኣብ ኣሜሪካ ብዝኸፍአ ኩነታት ክውስኽ ከምዝገበሮ ተገሊፁ። ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ኮቪድ-19 ስራሕ-ኣልቦነት 14 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ከም ዝበፅሐ ተሓቢሩ። ከምኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ…

ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ዓሊሙ ንዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ልዕሊ 37 ሚሊየን ዶላር ሓጊዛ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 01 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ዓሊሙ ንዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ልዕሊ 37 ሚሊየን ዶላር ሓጊዛ። እቲ ሓገዝ ብዋናነት ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን፣  ተቓላዕነት ሕብረተሰብ ንምቕናስ ከምኡ'ውን ግንዛበ…

ኣብ ክልል ደቡብ ብዘጋጠመ ምድርማስ መሬት 12 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 01 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ፍሉይ ወረዳ ኣሌ ትማሊ ብዘጋጠመ ምድርማስ መሬት 12 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ካብቶም ህይወቶም ዝሓለፉ ክሳብ ሐዚ ኣስከሬን ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተረኸበ ተሓቢሩ። እቲ ምድርማስ መሬት ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ኣባይቲ ምስ ሙሉእ ስድራ…

ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ዋናፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብስልኪ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመመድ ምስ ዋናፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ብስልኪ ተዛቲዮም። ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ ድማ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ምክልኻል ኣብ ዝከኣለሉ ዛዕባ ኣልዒሎም ምዝታዮም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር…

ኮሚቴ ሚኒስትራት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምግታእ ዝሕግዙ መምርሒታት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚቴ ሚኒስትራት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምግታእ ዝሕግዙን ተወሳኺ ምምሕያሽ ኣሰራርሓ ዘሓቱን ክልተ መምርሒታት ተዛቲዩ ከምዘፅደቐ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ኣፍሊጦም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም…

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ኣመራርሓታት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለወይቲ ሓላዊት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ኣድሂበን ምስ ኣመራርሓታት እቲ ማሕበር ተዛትየን። ኣብ ዘተአን ድማ፥ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ ምክልኻል እቲ ቫይረስ ዘለዎ…

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮዽያ ጨንፈር ትግራይ ምስ ማሕበራት ታክስን ባጃጅን ከተማ መቐለ ብምትሕብባር ልገሳ ደም ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮዽያ ጨንፈር ትግራይ ምስ ማሕበራት ታክስን ባጃጅን ከተማ መቐለ ብምትሕብባር ልገሳ ደም ኣካይዶም። እቲ ስነ ስርዓት ልገሳ ደም፥ ብብርኪ ብሃገር ንመበል 63 ግዜ ዝኽበር ዓለም ለኸ ማዓልቲ ቐይሕ መስቀልን ቐይሕ ወርሕን…

ሕማም ኣስሚ ዘለዎም ሰባት ንርእሶም ካብ ኮቪድ-19 ክከላኸሉ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕማም ኣስሚ ዘለዎም ሰባት ንርእሶም ካብ ኮቪድ-19 ክከላኸሉ ከምዝግባእ ሚስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ዳይሬክተር ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ወይዘሮ ሕይወት ሰለሞን፥ ብብርኪ ዓለም ንመበል 22 እዋን ብብርኪ ሃገር ድማ ን8ይ ግዘ…