Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ሰባት ቁፅሮም 6 ሺሕን 217 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 1 ሺሕን 142 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 54 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ሓሙሽተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ እውን ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ…

ብፕሬዚዳንት ፑቲን ዝቐረበ መመሓየሺ ሕገ-መንግስቲ ብፓርላማ ሩሲያ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፓርላማ ሩሲያ ብፕሬዚዳንት ብላድሚር ፑቲን ዝቐረበ መመሓየሺ ሕገ-መንግስቲ ብኣብዛሓ ድምፂ ኣፅዲቑ። እቲ መመሓየሺ ሕገ-መንግስቲ ዕድመ ስልጣን ፕሬዚዳንት ፑቲን ንምንዋሕ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሩሲያ፥ 77 ነጥቢ 1 ብዝኾነ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ትካላት ንግዲን ቤት ዕዮታት ውልቀን መንግስቲን ናብ ንቡር ኩነታተን ተመሊሰን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ዓበይቲን ኣናእሽተይን ትካላት ንግዲ ይኹና ቤት ዕዮታት ውልቀን መንግስቲን ሎሚ መዓልቲ ናብ ንቡር ኩነታተን ተመሊሰን። ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝገበሮ ዳህሳስ ትካላት ይኹኑ ምንቅስቓስ…

ማይ ተበኪሉ እናተብሃለ ዝናፈስ ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ በዓል መዚ ማይን ፈሳሲን ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማይ ተበኪሉ እናተብሃለ ዝናፈስ ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ በዓል መዚ ማይን ፈሳሲን ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። እቲ በዓል መዚ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ሓሙሽተ ማእኸላት መፃረዪ ማይ ብዝገበሮ ምርመራ  ላቦራቶሪ ኩሎም ማእኸላት…

ንቅንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ስዒቡ ምስ ዝተልዓሉ ጎንፂታት ተተሓሒዞም ዝተፈፀሙ ገበናት ዘፃሪ መርማሪ ጉጅለ ምርመራ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንቅንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ  ምስ ዝተልዓሉ ጎንፂታት ተተሓሒዞም ዝተፈፀሙ ገበናት ዘፃሪ መርማሪ ጉጅለ ካብ ሎሚ መዓልቲ ምርመራ ከምዝጅምር ተገሊፁ። ኣብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዳይሬክተር ዝተወደቡን…

ኣብ መበገሲ ሰነድ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዘድሃበ ህዝባዊ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብኣተሓባባሪነት ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ፌዴሪኢ እናተዳለወ ዝርከብ ሰነድ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዘድሃበ ህዝባዊ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መሪሕ ትልሚ ኣድሂቡ ዝሳጥ ዘሎ መድረኽ ህዝባዊ ዘተ፥ ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ን11 መዓልቲታት ዝሃየድ ምዃኑ…

ክልተ ሴናተራት ኣሜሪካ ሃገሮም ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዘይሻራዊ ቅዋም ንኽትሕዝ ብደብዳበ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ክልተ ሴናተራት ኣሜሪካ ሃገሮም ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዘይሻራዊ ቅዋም ንኽትሕዝ ብደብዳበ ሓቲቶም። ሴናተር ኮሪ ቡከርን ሴናተር ክርስቶፎር ኩንስን ንሓላፊ ግምጃ ቤት ኣሜሪካ ስቴቨን መኑሸን ኣብ ዝፃፉዎ ደብዳበ፥ ኣሜሪካ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ…

ኣብ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ ፍርቂ ሚሊየን ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መላእ ዓለም ብተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም 504 ሺሕን 490 በፂሑ። ንፈለማ እዋን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ቻይና ግዝኣት ሁቤይ ከተማ ዉሃን ዝተርኣየ ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ…

ከይዲ ምስማዕ ምስክርነት ገበን ቅንፀላ ጀነራል ሰዓረን ሜ/ጀነራል ገዛኢን 22 ሰነ 2012 ዓ.ም ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ከይዲ ምስማዕ ምስክርነት ገበን ቅንፀላ ጀነራል ሰዓረን ሜጀር ጀነራል ገዛኢን 22 ሰነ 2012 ዓ.ም ከምዝጅመር ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ችሎት ገበን ፀረ ግብረራዕዲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ከምዝበሎ፥ ኣብ ልዕሊ ብቕትለት…

በዓል መዚ ኮሙዩኒኬሽን ኢትዮጵያ 12 ሕቶ ድልየታት ፍቓዳት ቴሌኮሙዩኒኬሽን ከምዝተቐበለ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ኮሙዩኒኬሽን ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላት ቴሌኮም 12 ሕቶ ድልየታት ክልተ ፍቓዳት ቴሌኮሙዩኒኬሽን ከምዝተቐበለ ኣፍሊጡ። እቲ በዓል መዚ ምስቶም ፍቓዳት ብዝተተሓሓዘ መግለፅታት ድልየት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዕላዊ ከምዝገበረ…