Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሚኒስቴር ሰላምን ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉዎም ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሚኒስቴር ሰላምን ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉዎም ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም። ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ኣይተ ኣደም ፋራሕ፥ ናይ ሓባር መፍትሒ ዝደሊዩ ዛዕባታት ናብ ክልቲኦም ትካላት ከምዝመፅኡ ገሊፆም።…

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ብሪታኒያ ጉዳያት ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ብሪታኒያ ጉዳያት ኣፍሪካ ጀምስ ደድሪጅ ኣብ ምጥንኻር ክልተኣዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራትን ናይ ሓባር ጉዳያትን ኣድሂቦም ተዛቲዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት…

ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ጉባ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ህይወት 13 ሰባት ሓሊፉ – ቢሮ ፅፅታ ክልል ቤኒ ሻንጉል

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሸንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ወረዳ ጉባ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ህይወት 13 ሰባት ምሕላፉ ቢሮ ፅፅታን ህንፀት ሰላምን እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ኣብዱላዚዝ መሓመድ፥ ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ጉባ ካብ ወፃኢ ዓዲ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ኣመራርሓታት ፓርቲታት ፖለቲካ ይዛተዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኣ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ኣመራርሓታት ፓርቲታት ፖለቲካ ይዛተዩ ኣለዉ። እቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ፓርቲታት ፖለቲካን ዘለዉ እዋናዊ ጉዳያት ሃገር ዘድሃበ ከምዝኾነ ኢቢሲ ፀብፂቡ።…

ማሕበረሰብ ሙስሉም በዓል ዓረፋ እንተኽብር መገዲታት መከላኸሊ ኮቪድ-19ን ዝተቐመጡ ክልከላታትን ብምትግባር ክኸውን ይግባእ – ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበረሰብ ሙስሉም በዓል ዓረፋ እንተኽብር መገዲታት መከላኸሊ ኮቪድ-19ን ብኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝተቐመጡ ክልከላታትን ብምትግባር ክኸውን ከምዝግባእ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ። ፕዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ተቀዳሚ ሙፍቲ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መፃኢ ሰንበት 2 ሚሊየን ፈልሲታት ክትከሉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መፃኢ ሰንበት ኣብ ሓደ መዓልቲ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ከምዝትከሉ ተገሊፁ። ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ፥ ኣብ ዝቕፅል ሰንበት ካብ ኑጉሆ ሰዓት 12 ጀሚሩ ኣብ ሓደ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ 2 ሚሊየን…

ኢትዮጵያን ኣልጀሪያን ምትሕብባረን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ኣልጀሪያን ክልተኣዊ ርክበን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣልጀሪያ ኮይኖም ዝተሸሙ ኣይተ ነቢያት ጌታቸው ምስ ኣምባሳደር ኣልጀሪያ ኣብ ኢትዮጵያን ቀዋሚ ተፀዋዒ ሕብረት ኣፍሪካን ዝኾኑ ኤልሃምዲ ሳላሕ ተዛቲዮም።…

ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ሕፅረት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ከጋጥም ከምዝኽእል ሲዲሲ ኣፍሪካ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ሕፅረት ኣቑሑት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ከጋጥም ከምዝኽእል ማእኸል መከላኸሊን መቆፃፀሪን ሕማማት ኣፍሪካ (ሲዲሲ ኣፍሪካ) ኣፍሊጡ። እቲ ማእኸል ኣብ ዘውፀአኦ መግለፂ ሃገራት ኣፍሪካ ከጋጥመን ዝኽእል ሕፅረት መከላኸሊ…

ንህዝቢ ትግራይ ዘየሳትፍ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣይህሉን – ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንህዝቢ ትግራይ ዘየሳትፍ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ከምዘይህሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ፋና ሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ “ኣነ ብወገነይ ይኹን ብፓርቲ ብልፅግና…

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 653 ሰባት እንትርከቡ 11 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 6 ሺሕን 503 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 653 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። 11 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ…