Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ 28 ሰባት ብቫይረስኮሮና ህይወቶም እንትስእኑ 707 ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት 28 ሰባት ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፀን ከምዝፀሓፈኦ፥ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 7 ሺሕን 607…

ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘዘለዉዎ ኮይኖም ንግድብ ህዳሰ ዘለዎም ድጋፍ “ድምፂና ንግድብና” ብዝብል መሪሕ ቓል ድምፆም ኣስሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘዘለዉዎ ኮይኖም ንዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘለዎም ድጋፍ “ድምፂና ንግድብና” ብዝብል መሪሕ ቓል ድምፆም ኣስሚዖም። እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲን ኣብ መላእ ኩርናዕ ዓለምን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን፥ ንግድብ ህዳሰ ዘለዎም ድጋፍ…

ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ስድረኦም ብምዃን ፈልሲ ተኺሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ስድረኦምን ኣብ መነን ዝርብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ጎራዙ ተረኺቦም ምስ ተምሃሮ እቲ ቤት ትምህርቲ ፈልሲ ተኺሎም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝዓለመ መርሃ ግብሪ…

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ሓደ መዓልቲ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መርሃ ግብሪ እናተሳተፉ ንዝርከቡ ዜጋታት ምስጋና ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ጥራሕ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መርሃ ግብሪ እናተሳተፉ ንዝርከቡ ዜጋታት ምስጋና ኣቕሪቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣባ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ጥራሕ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝዓለመ መርሃግብሪ ተኸላ ፈልሲ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ መዓልቲ ጥራሕ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝዓለመ መርሃግብሪ ብድሙቕ ኩነታት ይቕፅል ኣሎ። ካብቶም ሎሚ መዓልቲ ዝትከሉ ፈልሲታት መብዛሕተኦም ንምግቢ ዝውዕሉ ተኽልታትን ፍረምረን ኢዮም ተባሂሉ። ምክትል ከንቲባ…

ኣብ ሱዳን ሓደ ግድብ ብምፍራሱ 600 ኣባይቲ ዓኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሱዳን ግዝኣት ብሉናይል ብምኽኒያት ዘጋጠመ ምፍራስ ሓደ ግድብ 600 ኣባይቲ ምዕናዎም ተገሊፁ። መራኸብቲ ሓፋሽ ሱዳን ፍልፍል ብምጥቃም ሲ ጂ ቲ ኤን ከምዝፀብፀቦ፥ “ቦት” ዝብል መፀውዒ ዘለዎ እቲ ግድብ 6 ሚሊየን ሜትር ኪዩብ ማይ ናይ ምሓዝ…

ኢድና ብዝግባእ ብምሕፃብን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብኣግባቡ ብምጥቃምን ኮሮና ክንከላኸል ይግባእ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣  25 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኢድና ብዝግባእ ብምሕፃብን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብኣግባቡ ብምጥቃምን ቫይረስኮሮና ክንከላኸል ይግባእ ክብሉ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብብርኪ ሃገር ቫይረስ ኮሮና ናይ ምክልኻል ስራሕቲ…

ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ንክልተ መምህራንን ተመራመርቲን ሙሉእ መዓርግ ፕሮፌሰርነት ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ንክልተ መምህራንን ተመራመርቲን ሙሉእ መዓርግ ፕሮፌሰርነት ሂቡ። እቲ ዩንቨርስቲ ንፕሮፌሰር ኣሰፋ ኣባሙናን ፕሮፌሰር ኣማን ደቀቦን ንመፈለምታ እዋን ብመዓርግ ፕሮፌሰርነት ከምዝሃበ ተገሊፁ። እቶም ሙሉእ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ኣብ ዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ካብ ቫይረስኮሮና ንባዕሉ ብምክልኻል ንክሳተፍ ፃውዒት…

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ሓምለ ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ኣብ ዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ካብ ቫይረስ ኮሮና ንባዕሉ ብምክልኻል ንክሳተፍ ምክትል ከንቲባ ኢንጅነር ታከለ ኡማ ፃውዒት ኣቕሪቦም። እቶም ምክትል ከንቲባ ፅባሕ ሰንበት ኣብ…

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ቻይናዊ ትካል ቲክቶክ ኣብ ሃገሮም ንከየገልግል ዘኽእል ክታም ሎሚ መዓልቲ ከንብሩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ብቻይና ዝውነን ተንቀሳቓሲ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርግሖ መተግበሪ “ቲክቶክ” ኣብ ኣሜሪካ ንከየገልግል ከምዝእግድዎ ገሊፆም። እቶም ፕሬዚዳንት ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ነቲ መተግበሪ ንምኽልካል ሎሚ…