Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 336 ሰባት እንትርከቡ 28 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 21 ሺሕን 326 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 336 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 34…

ዝተበላሸዉን መለክዒ ዘየማልኡን ልዕሊ 227 ቶን ፍርያታት ምግቢን ጥረ ኣቑሑትን ናብ ሃገር ከየኣትዉ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ዝተበላሸዉን ኣገዳዲ መለክዒ ገላፂ ፅሑፍ ዘየማልኡን ልዕሊ 227 ቶን ፍርያታት ምግቢን ጥረ ኣቑሑትን ናብ ሃገር ከየኣትዉ ተገይሩ። በዓል መዚ ምቁፅፃር ምግቢን ኣፋውስን ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሓምለ ጥራሕ ኣብ ዙሪያ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ሓሙሽቲአን…

ሃገር ለኸ ፎረም ጥዕና መናእሰይ ክየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ለኸ ፎረም ጥዕና መናእሰይ ከምዝሳለጥ ሚኒሰትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጠን። እቲ መድረኽ መናእሰይ ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝዳለዉ ፖሊሲታት ጥዕናን ፕሮግራማትን ዝዛተዩሉ ከምኡ እውን ዘለዎም ኣመለኻኽታን መፍትሒ ሓሳብን ዘቕርቡሉ…

ኣብ ኢትዮጵያ ን10 ምርመራ መዓድንን 2 ፍርያት መዓድንን ፈቓድ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምእላሽን ምልማዕን መዓድንን ንምክያድ ፍቓድ ንዘሓተቱን መዐቀኒታት መውሃቢ ፍቓድ ኣመማሊኦም ዝተረኸቡን 12 ኩባኒያታት መዓድን ፍቓድ ከምዝተውሃቦም ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒሰቴር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ካብ ዝተውሃቡ…

ሮናልድ ኪዩመን ኣሰልጣኒ ስፔናዊት ጋንታ ባርሰሎና ኮይኖም ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሮናልድ ኪዩመን ኣሰልጣኒ ስፔናዊት ጋንታ ባርሰሎና ኮይኖም ተሸይሞም። ጋንታ ባርሰሎና ነበር ኣሰልጣኒኣ ኪኬ ሴቲዬን ኣብ ግጥም ርብዒ ፍፃመ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ድሕሪ ዘጋጠማ ከቢድ ስዕረት ኣሳናቢታቶም ኢያ። ነዙይ ስዒቡ ድማ ነበር…

ቀ/ሚ ኣቢይ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ኣብ መኣዲ ንሃገር ኣሰሮም ንኸንብሩ ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ኣብ መኣዲ ንሃገር ኣሰሮም ንኸንብሩ ፀዊዖም። እቶም ቀዳማይ ሚኒሰስተር፥ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተኣተወ ቃል ብምፍፃም ብተግባር ምርኣይ ከምዝተኽኣለ ኣብ ማሕበራዊ…

ሚኒስቴር ሰላምን ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያን ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ሰላምን ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም። እቲ ስምምዕነት ኣብ ህንፀት ዓቕሚ፣ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ፣ ልውውጥ ሓበሬታን ልምዲን፣ ከምኡ እውን ተዛመድቲ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም…

ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራሕ ልዕሊ ብር 116 ሚሊየን ንግድብ ህዳሰ ዝኸውን ኣታዊ ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ምስተሳለጠ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራሕ ልዕሊ ብር 116 ሚሊየን ንግድብ ህዳሰ ዝኸውን ኣታዊ ተኣኪቡ። ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ግድብ ህዳሰ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ መስተሳለጠ ነቲ ገድብ…

32 ኣባላት ኦነግ ሸኔ ምስ ሙሉእ ዕጥቆም ኢዶም ንመንግስቲ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ናይ ትፍኣት ልኡኽቶ ተቐቢሎም እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ 32 ኣባላት ኦነግ ሸኔ ምስ ሙሉእ ዕጥቆም ኣብ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ኢዶም ንመንግስቲ ሂቦም። ኦሮሞ ነፃ ነውፅእ ብዝብል ሽፋን ምቕታል ላዕለዎት ሰብ መዚ፣ ምትዕንቓፍ ህንፀ ግድብ ህዳሰን ካልኦት…

ፕሬዚዳንት ማሊ ቡባካር ኪዬታ ብወተሃደራት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምስ ወዓሉ ስልጣኖም ከምዝለቐቑ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ማሊ ኢብራሂም ቡባካር ኪዬታ ትማሊ ብሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብትሕቲ ቁፅፅር ምስ ወዓሉ ኣብ ማዕኸን ቴሌቪዥ እታ ሃገር ቀሪቦም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ስልጣኖም ከምዝለቐቑን ፓርላማ…