Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 2013 ዓ.ም ቁፅሪ ዓማዊሉ ናብ 52 ሚሊየን ንምዕባይ ከምዝሰርሕ ኢትዮ ቴሌኮም ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2013 ዓ.ም ቁፅሪ ዓማዊሉ ናብ 52 ነጥቢ1 ሚሊየን ንምዕባይ ከምዝሰርሕ ኢትዮ ቴሌኮም ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ስትራቴጂካዊ ትልሚ ሰለስተ ዓመትን ቀንዲ ትኹረት በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ። ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ…

ካብ 9ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ብድጂታል መልክዑ ትምህርቲ ንመሃብ ከምዝተለመ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ ካብ 9ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ካብ ወረቐት ናፃ ዝኾነ ብድጂታል መልክዑ ትምህርቲ ንመሃብ ከምዝተለመ ኣፍሊጡ። ኣብ በቢብርኩ ዝርከቡ ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓታትን እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ፤ ኣብ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ዓውዲ ትምህርቲ…

ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ምንካይ ግልጋሎት ጥሙር ኢንተርኔትን ድምፂን ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ምስ ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዚ ምንካይ ግልጋሎት ጥሙር ኢንተርኔትን ድምፂን ከምዝገበረ ኣፍሊጡ። ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ወይዘሪት ፍረህይወት ታምሩ፥ ስትራቴጂካዊ ትልሚ ሰለስተ ዓመትን ቀንዲ ትኹረት በጀት ዓመት 2013 ዓ.ምን…

ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ እንትቕተል ሓቢራቶ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ላምሮት ከማል ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲታት ክሲ ንኽምስርት ቤት ፍርዲ ፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ. ቢ.ሲ)ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ እንትቕተል ሓቢራቶ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ላምሮት ከማል ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲታት ክሲ ንኽምስርት ቤት ፍርዲ ፈቒዱ። መርማሪ ፖሊስ እቲ ጉዳይ ንዝተመልከተ ታረኛ ቆፀሮ ቀዳማይ ብርኪ መጋባእያ ፌዴራል ደረጃ ኣራዳ…

ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ወረዳ እንሳሮ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ 3 ሰገናት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሽዋ ወረዳ እንሳሮ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ 3 ሰገናት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ። ሓላፊ ዋና ክፍሊ ኮሙዩኒኬሽንን ሚዲያን መምርሒ ፖሊስ ዞባ ሰሜን ሽዋ ኮማንደር ተስፋዬ ግዛቸው፥ ኣብቲ ወረዳ ጣቢያ ላም ገኖን ከባቢኡን…

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ሱዳን ፃንሒቶም ዕዉት ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ኣሳሊጦም – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፉዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሱዳን ዝገበሩዎ ዑደት ግድብ ህዳሰ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ዕዉት ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ምስላጦም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ሱዳን ዝነበሮም ናይ…

ፖሊስ ፌዴራል ደምቢ ክዳኑ ክቕይር ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ናይ ደምቢ ክዳኑ ክቕይር ምዃኑ ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል እንዳሻው ጣሰው ገለፁ። ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት 2012ን ኣንፈት ትኹረት በጀት ዓመተ 2013ን ኣድሂቡ ንኽልተ መዓልቲ ዘካዶ ግምገማ…

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ካብ 700 ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ 17 ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ፤ ብሓፈሻ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ቁፅሮም 709 በፂሑ። ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 18 ሺሕን 778 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን…

ብገበን ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተጠርጠረ ከበደ ገመቹ ሎሚ መዓልቲ ንመበል ራብዓይ ግዘ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብገበን ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተጠርጠረን ተሓቢኡ ካብ ዝነበረሉ ኣዳኣ ድሬ ተባሂሉ ካብ ዝፅራሕ ከባቢ 3 ሓምለ 2012 ዓ.ም ኣብ ቁፅፅር ዝወዓለን ከበደ ገመቹ ሎሚ መዓልቲ ንመበል ራብዓይ ግዘ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ። ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት…

ኣብ ትግራይ ዕስለ ኣምበጣ ንምምካት ዘኽእል ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መላእ ትግራይ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ንምምካት ዘኽእል ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ከም ዝተጀመረ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ቢሮ  ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ርክብ ህዝቢ ኣይተ ሚኪኤለ ምሩፅ ከም ዝሓበርዎ፥ እቲ ዕስለ ኣንበጣ…