Fana: At a Speed of Life!

ፍልፍል ሓይሊ ኤሌክትሪክ በለስ ተንሳፋፊ ሳዕሪን ሕፅረት ቀረብ መለዋወጢ ኣቑሑትን ስግኣት ከምዝኾኑዎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ በለስ ተንሳፋፊ ሳዕሪን ሕፅረት ቀረብ መለዋወጢ ኣቑሑትን ስርሑ እናተኣጎሉዎ ከምዝኾነ ሓላፊ እቲ ጣቢያ ኣይተ ፍቓዱ ደምሴ ገሊፆም። ናብ መቐበሊ ማይ እቲ ጣቢያ ዝመፅ ተንሳፋፊ ሳዕሪ ንስራሕቲ ኦፕሬሽን እቲ መፈልፈሊ…

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 173 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ እንትኾኑ 19 ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 18 ሺሕን 160 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 173 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ…

ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ልዑል መጠን ዘለዎ ዝናብ ክዘንብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ልዑል መጠን ዘለዎ ዝናብ ትፅቢት ከምዝግበር ማእኸል ምርምር ለውጢ ኣየር ምብራቕ ኣፍሪካ ኣፍሊጡ። ብፍላይ ኣብ መብዛሕተኦም ከባቢታት ሰሜን ምዕራብ ኢትዮጵያን ሰሜን ምዕራብ ደቡብ…

ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክተሪክ ዛዋሽ 3 ንግዚኡ ኣገልግሎት ምሃብ ኣቋሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክተሪክ ዛዋሽ 3 ንግዚኡ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዘቋረፀ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ መካየዲ ስራሕ መፈልፈሊ ጣቢያታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክልተን ሰለስተን ኣይተ ዲሳሳ ገልሜሳ፥ ኣብቲ ጣቢያ…

ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ዝርከቡ 70 ሺሕ ህፃና ብጥሜት ምኽንያት ሓደጋ ሞት ኣንፀላሊዩዎም ኣሎ – ትካል መድሕን ህፃናት

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃገራት ትሕቲ በረኻ ሰሃራ ዝርከቡ 70 ሺሕ ህፃና ብጥሜት ምኽንያት ሓደጋ ሞት ኣንፀላሊዩዎም ከምዝርከብ ትካል መድሕን ህፃናት ኣተሓሳሲቡ። ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ስዒቡ ዝተነበሩ እገዳታትን ዝተወሰዱ ስጉምቲታትን ኣብተን ሃገራት ዝርከቡ ስድራቤታት…

ምዕብልቲ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ኣብ ተፃረርቲ ዋልታታት ዝተንጠልጠሉ ድሌታት ክቀራረቡ ኣለዎም – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጥንክርቲ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ምዕባለ ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ ምግባር ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣተሓሳሲቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ “ከምሃገር ናይ ሓባር…

ዓቃቢ ሕጊ ኣብ መዝገብ እኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ዝምስክሩ መሰኻኽር ቅድመ ምርመራ ኣቕሪቡ ጭብጢ ኣመዝጊቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓቃቢ ሕጊ ኣብ መዝገብ እኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ዝምስክሩ መሰኻኽር ቅድመ ምርመራ ኣቕሪቡ ጭብጢ ኣመዝጊቡ። እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ቀቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ኣራዳ ታረኛ መጋባእያ ዝቐረቡ እንትኾኑ፥ ቅድሚ ሕዚ ቤት…

ኣብ ወርሒ መስከረም መሸጢ ዋጋ ችርቻሮ ነዳዲ ብዘለዎ ክቕፅል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ወርሒ መስከረም መሸጢ ዋጋ ችርቻሮ ነዳዲ ብዘይካ ናይ ኣውሮፕላን ነዳዲ ብዘለዎ ከምዝቕፅል ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ። ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዝህሉ ዋጋ ነዳዲ መበገሲ ብምግባር ከከምኣድላይነቱ መስተኻኸሊ ክግበር ከምዝኽእል እውን ተገሊፁ።…

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ፍሉይ ዞባ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኣይተ ተወልደ ገብረፃዲቕ ሓዊሱ ካልኦት ኣባላት ኣመራርሓታት ህወሓት ካብ ማእሰርቲ ብዋሕስ ተፊሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ፍሉይ ዞባ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኣይተ ተወልደ ገብረፃዲቕ ሓዊሱ ካልኦት ኣባላት ኣመራርሓታት ህወሓት ካብ ማእሰርቲ ብዋሕስ ተፊሖም። እቶም ተጠርጠርቲ፥ ምስ ቅንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ተተሓሒዙ ከምኡ እውን ሓበሬታ…

ኣብ ሊባኖስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ 18 ሰባት ሓዊሱ 90 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሊባኖስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ 18 ሰባት ሓዊሱ 90 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጀነራል ኢትዮጵያ ኣብ ሊባኖስ ኣፍሊጡ። እቲ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ፥ ኣብ ክልተ ኣቢያተ ማእሰርቲ ሊኖስ ተኣሲሮም ዝነበሩ 19…