Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ምንቅስቓስ ምትእኽኻብ እቶት ፕጀክታት ልምዓት ኮይሻ፣ ወንጪን ጎርጎራን ብዝምልከት ምስ ኮሚቴ መተሓባበሪ መኣዲ ንሃገር ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምንቅስቓስ ምትእኽኻብ እቶት ፕጀክታት ልምዓት ኮይሻ፣ ወንጪን ጎርጎራን ብዝምልከት ምስ ኮሚቴ መተሓባበሪ መኣዲ ንሃገር ተዛቲዮም። ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ነዚ ተግባር እናለገሱ…

ባንኪ ዓለም ዕቤት ዓውዲ ሕርሻ ንምድጋፍ 80 ሚሊየን ዶላር ንኢትዮጵያ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባንኪ ዓለም ዕቤት ዓውዲ ሕርሻ ንምድጋፍን ኣብ ንኡሽተይ መሬት ዝሓርሱ ሓረስቶት ዝሐሸ ኣማራፂ ንምፍጣርን ዘዓለመ 80 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሓገዝ ገይሩ። ቦርድ ፈፃሚ ስራሕ ባንኪ ዓለም ኣካል እቲ ባንኪ ዝኾነ ማሕበር ዓለም ለኸ ልምዓት…

ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ዞባ መተከል ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ንምርግጋዕን ልዕልነት ሕጊ ንምኽባርን ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ዞባ መተከል ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ንምርግጋዕን ልዕልነት ሕጊ ንምኽባርን ቢሮ ፀፅታን ህንፀት ሰላምን እቲ ክልል ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፖሊስ ፌዴራልን ተዋዲዱ ብትኹረት እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ። ስለዝኾነ ድማ…

ኣብ ህንዲ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ 5 ሚሊየን ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህንዲ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙዋ ሰባት ቁፅሮም 5 ሚሊየን 20 ሺሕን 359 ከምዝበፅሐ ኣፍሊጣ። እቲ ኣብ ህንዲ ዝተመዝገበ ቁፅሪ፥ ብብርኪ ዓለም በቲ ቫይረስ ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ኣብ መበል ካልአይ ደረጃ ዝሰርዓ ኢዩ። ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር…

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ተወሰኽቲ 700 ሰባት እንትርከቡ 13 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 10 ሺሕን 24 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 700 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 65 ሺሕን 486…

ኣይተ ጃዋር መሓመድን ኣይተ በቀለ ገርባን ንኽራኸቡ ዘቕረቡዎ ስምዕታ ስዒቡ እቲ ኣፈፃፅማ ንምርኣይ ብመሰረት ዝተውሃበ ቆፀሮ ሎሚ መዓልቲ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣይተ ጃዋር መሓመድን ኣይተ በቀለ ገርባን ንኽራኸቡ ዘቕረቡዎ ስምዕታ ስዒቡ እቲ ኣፈፃፅማ ንምርኣይ ብመሰረት ዝተውሃበ ቆፀሮ ሎሚ መዓልቲ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ተወካሊ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል እውን እቲ ትእዛዝ ከምዝተፈፀመ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም…

ምክትል ከንቲባ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ንዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ሽመት ሂበን

ኣዲስ በባ፣ 5 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ንዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ሽመት ምደባ ስራሕን ሂበን። ዝተጀመረ ለውጢ ተጠናኺሩ ንኽቕፅልን ብዝተፈላለዩ እዋናት ዝለዓሉ ናይ ህዝቢ ቅሬታታት ንምምላስን ምሽግሻግ ኣመራርሓታትን ሓደሽቲ…

ኣብ መንጎ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝግበር ዘሎ ዘተ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መንጎ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝግበር ዘሎ ዘተ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም። ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ክሳብ ሐዚ ዝነበረ ጉዕዞን ቀፀልቲ ኣንፈታትን…

ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ኣብ ሓደ ወርሒ ጥራሕ ንህዳሰ ግድብ ዝኸውን ልዕሊ 71 ሚሊየን ብር ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ኣብ ሓደ ወርሒ ጥራሕ ንዓብዪ ህዳሰ ግድብ ዝኸውን ልዕሊ 71 ሚሊየን ብር ተኣኪቡ። ክፍለ ከተማ ልደታ ንክፍለ ከተማ ኣራዳ ዋንጫ ህዳሰ ግድብ ዘረከበ እንትኸውን፥ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ብምክትል…

ሩባ ኣዋሽ መሊኡ ዘስዐቦ ሓደጋ ውሕጅ ብዙሕ ጉድኣት የብፅሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ )ኣብዚ ዓመት ብዝተፈለየ ምልክዑ ሩባ ኣዋሽ መሊኡ ዘስዐቦ ሓደጋ ውሕጅ ብዙሕ ጉድኣት የብፅሕ ኣሎ። እቲ ሩባ ኣንፈት ኣብ ዝሰሓተሉ ክልል ዓፋር ድማ ዜጋታት ንኽመዛበሉን ንብረቶም ከዓኑን ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ዝባፅሑ ዝራእቲ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ…