Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላውን ምድንጋራት ንምፅራይን ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ክግበር ኢዩ – ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላውን ምድንጋራት ንምፅራይን ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ከምዝግበር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጾም። ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም መዛረቢ ወቐሳ…

ብቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ብወራር ዕስለ ኣምበጣ ዝበፅሐ ጉድኣት ተዓዚቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብቀዳማይ ሚኒሰስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ወረባቦ ብወራር ዕስለ ኣምበጣ ዝበፅሐ ጉድኣት ተዘዋዊሩ ተዓዚቡ። ኣብቲ ዑደት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንንን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ተመስገን…

መንግስ፥ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ንዝሃብዎ ርእይቶ መብርሂ ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ጥቅምቲ ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክ ሬይነር ናብ ቤት ፅሕፈቶም ብምፅዋዕ ሓቲተምዎም። እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ንማይክ ሬይነር፥ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ንዝሃብዎ ርእይቶ እዮም …

ኣብ ልዕሊ ህዳሰ ግድብ ሉኡላውነት ኢትዮጵያ ምድፋር ንዝኾነ ይኹን ኣካል ኣይረብሕን-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ መሰል ባህጊ ምልማዕ ኢትዮጵያውያን፤ እቲ ስራሕ እውን ውፅኢት ረሃፅ ልእላዊ ህዝቢ ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር  ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት…

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት መበል 25 ዓመቱ ኣመልኪቱ መድረኽ ዘተ ፓናል የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት መበል 25 ዓመቱ ኣመልኪቱ መድረኽ ዘተ ፓናል ሎሚ መዓልቲ የሳልጥ ኣሎ። ኣብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምክትል ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ዓውዲ ኦፕሬሽን ኣይተ ሰጠኝ እንግዳው ከመዝበልዎ፥ እቲ መድረኽ ዘተ ጉዕዞን ኣበርክቶን…

ማእኸል መሰልጠኒ ወፍሪ ፍሉይ ሓይሊ ሰልጠንቲ የመርቕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማእኸል መሰልጠኒ ወፍሪ ፍሉይ ሓይሊ መበል 33 ዙር ሰልጠንቲ መባእታዊ ኮማንዶ፣ መበል ዓስራይ መባእታዊ ፍሉይ ሓይሊን ፀረ ግብረ ራዕዲን  የመርቕ ኣሎ። እቲ ስነ ስርዓት ምርቓ፥  ምክትል ጠቅላይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ…

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ንሱዳን ካብ መዝገብ ደገፍቲ ግብረ ራዕዲ ኣሜሪካ ዘልዕላ ክታም ኣንቢሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳን ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክትምስርት ከምዝተሰማምዐት ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ገሊፆም። እቶም ፕሬዚዳንት ንሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ኣሜሪካ ድሕሪ ምልዓሎም'ዩ ነቲ ምስ እስራኤል ዝተበፅሐ ስምምዕ ኣፍሊጦም።…

ኣብ ኣፀባፅባ ምርጫ ዘድሃበ ስልጠና ንጋዜጠኛታት ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፀባፅባ ምርጫ ዘድሃበ ስልጠና ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ዓዲ ሎሚ መዓልቲ ይወሃብ ኣሎ። እቲ ስልጠና “ዩ ኤስ ኤጀንሲ ፎር ግሎባል” ሚድያን ድምፂ ኣሜሪካን ኢዮም ኣሰናድአምዎ። እቲ ስልጠና ኣብ ቀፃሊ ዝካየድ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ሰለማዊ፣…

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 536 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 6 ሺሕን 538 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 536 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 92 ሺሕን 229…

ዶናልድ ትራምፕ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝሃብዎ ርእይቶ ካብኦም ትፅቢት ዘይግበር ኢዩ – ሴናተር ጄሰን ክሮው

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝሃብዎ ርእይቶ ካብኦም ትፅቢት ዘይግበር ኢዩ ክብሉ ሴናተር ኣሜሪካ ጄሰን ክሮው ተቓዊሞምዎ። እቶም ሴናተር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፅ ከምዝበልዎ፥ “ግብፂ ህዳሰ ግድብ…