Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሆስፒታል ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር በፂሖምዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሆስፒታል ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር በፂሖምዎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ካብ ባዕሎም ዘቐደሙ ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ክብሉ ዝገለፁዎም ወታደራት፥ ሎሚ መዓልቲ…

ጭካነ ጉጅለ ህወሓት ዝኹንኑ ሰልፊታት ተኻይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጭካነ ዝተመልኦ ተግባር ጉጅለ ህወሓት ዝኹንኑ ሰልፊታት ኣብ ማይ ካድራ፣ ራያ ቆቦን ኣላማጣን ተኻይዶም። ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ክልል ትግራይ እናካየዶ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ከምዝድግፉ እውን ኣፍሊጦም። እቶም ሰልፈኛታት…

ሩሲያ ክታበት ፀረ ቫይረስኮሮና ምሃብ ጀሚራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ሩሲያ ብለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብልዑል ብርኪ ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ዜጋታት ክታበት ፀረ ቫይረስኮሮና ምሃብ ጀሚራ። እቲ ክታበት፥ ነዚ ተባሂሎም ኣብ ዝተኸፈቱ ሓደሽቲ ክሊኒካት እናተውሃበ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡ ስፑትኒክ ቪ ዝተብሃለ እዚ…

3ይ ሃገር ለኸ መዓልቲ እግረኛታትን ብሽክሌተኛታትን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሳልሳይ ሃገር ለኸ መዓልቲ እግረኛታትን ብሽክሌተኛታትን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ተኸቢሩ ውዒሉ። እቲ መዓልቲ “ካብ ጳጉሜን ከክሳብ ጳጉሜን ክንበፅሕ ኢና” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ተኸቢሩ ውዒሉ ዘሎ፡፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ…

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ስራሕቲ ልምዓት፣ ዴሞክራሲን ሰላምን ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ኣንፈት ኣቐሚጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ስራሕቲ ልምዓት፣ ዴሞክራሲን ሰላምን ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ኣንፈት ኣቐሚጡ። ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና፥ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ንክልተ መዓልቲ እናካየዶ ዝነበረ ስሩዕ ኣኼባ…

ኣትሌት ገንዘቤ ዲባባ ኣብ ቫሌንሺያ ዝተሳለጠ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣትሌት ገንዘቤ ዲባባ ኣብ ስፔን ከተማ ቫሌንሺያ ዝተሳለጠ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ተዓዊታ። ገንዘቤ ዲባባ ነቲ ፍርቂ ማራቶን ንምዝዛም ዝወሰደላ ግዘ 1 ሰዓት 5 ደቒቕን 17 ማይክሮ ሰከንድን ኢዩ፡፡ ኬንያዊት ኣትሌት ሼይላ ቼፕኪሩ…

ድሕሪ ወፍሪ ሕጊ ምኽባር ትግራይ መሊስና ምህናፅ ቀንዲ ተግባርና እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ድሕሪ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንትግራይ መሊስና ምህናፅ ቀንዲ ተግባርና እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። እዚ ተግባር ሰለስተ መልክዕ ኣለዎ እዉን ኢሎም። ብመሰረት እዚ ሰብኣውን ማሕበራዊ ድጋፍ፣ ዝተጎድአ መሰረተ ልምዓት…

ጁንታ ህወሓት ንሓሶት ፕሮፖጋንዳን ምልዕዓል ኩይናትን እንትጥቀመሉ ዝነበረ ጣቢያ ሬዲዮ ድወት ወሪሩን ኣዕኒዩን ሃዲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ ህዳር 26 ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጁንታ ህወሓት ንሓሶት ፕሮፖጋንዳን ምልዕዓል ኩይናትን እንትጥቀመሉ ዝነበረ ጣቢያ ሬዲዮ ድምፂ ወያነ  ወሪሩን ኣዕኒዩን ከምዝሃደመ ተገሊፁ። ቅልጡፍን ዝተዋደደን ስጉምቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምፅዋር ዘይከኣለ ጉጅለ"ኣነ እንተሞይተ ሳዕሪ…

ሊግ ደቂ ኣኒስቲዮ ፓርቲ ብልፅግና ኣፈፃፅማ መደባት ዓመተ 2013 ይግምግማ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሊግ ደቂ ኣኒስቲዮ ፓርቲ ብልፅግና ኣፈፃፅማ መደባት ዓመተ 2013 ይግምግማ ኣለዋ። እቲ ሊግ  “ማዕርነትን ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ንናይ ሓባር መዕባለ” ብዝብል መሪሕ ቃል መበል 15 መዓልቲ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣብ ሆቴል ሸራተን…

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ፕሬዚዳንት ማሕበር ኮሚቴታት ኦሎምፒክ ኣፍሪካ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ፕሬዚዳንት ማሕበር ኮሚቴታት ኦሎምፒክ ኣፍሪካ (አኖካ)  ሙስጠፋ ቤራፍ ተዛቲየን። ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበር ኮሚቴታት ኦሎምፒክ ኣፍሪካ ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጥ እንትኸውን፥ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብዚ ንምስታፍ ትማሊ…