Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ዝኸድዑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብወተሃደራዊ ሕጊ ምድናይ ኣብ ዘኽእል ጉዳይ ዘድሃበ ስልጠና ንሰብ ሞያ ሕጊ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ዝኸድዑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብወተሃደራዊ ሕጊ ምድናይ ኣብ ዘኽእል ጉዳይ ዘድሃበ ስልጠና ንሰብ ሞያ ሕጊ ተዋሂቡ። ዳይሬክቶሬት ቤት ፍርዲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስ እቲ ጁንታ ብምትሕብባር ሃገር ዝኸድዑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል…

ዩኒቨርሲተ ወልቂጠየ 2 ሺሕን 472 ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ጥሪ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲተ ወልቂጠየ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 2 ሺሕን 472 ተምሃሩኡ ኣመሪቑ። ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ተረኺቦም፡፡ እቶም…

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ዩኒቨርሲታት ትምህርቲ ንምቕፃል ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ዩኒቨርሲታት ትምህርቲ ንኽቕፅል ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣፍሊጡ። ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ዩኒቨርሲቲታት መቐለን ራያን ተምሃረኦም ዘመረቑ…

ብሚኒስትር ግብርና ኣይተ ዑመር ሑሰን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ናብ ጁብቲ ኣምሪሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ጥር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ግብርና ኣይተ ዑመር ሑሰን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ጁብቲ ኣምሪሑ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ምስ ሚኒስትር ግብርና ጅቡቲን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ከባቢ ወደብን ክዛተ…

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 404 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕን 625 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 404 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 130 ሺሕን 326…

ኣይተ ስብሓት ነጋ ሓዊሱ ብገበን ዝተጠርጠሩ 20 ኣመራርሓ ጉጅለ ህወሓት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣይተ ስብሓት ነጋ ሓዊሱ ብገበን ዝተጠርጠሩ 20 ኣመራርሓ ጉጅለ ህወሓት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣራዳ ምድብ መጋባእያ ሎሚ መዓልቲ ዝቐረቡ ቁልፊ ኣመራርሓ ህወሓት ካብ መንጎ ዝነበሩ ኣይተ ስብሓት  ነጋን  ወይዘሮ ኬሪያ…

ዩንቨርስቲ ራያ ተምሃርኡ ንምቕባል ሙሉእ ምድላዋቱ ከምዝወገነ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩንቨርሲቲ ራያ ተምሃርኡ ንምቕባል ሙሉእ ምድላዋቱ ከምዝወገነ ገሊፁ። እቲ ዩንቨርስቲ ብምኽንያት ቫይረስኮሮና ተቋሪፁ ዝነበረ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምቕፃል ዝወሰነ ተሓቢሩ። ብመሰረት እዚ 15ን 16 ጥሪ 2013 ዓ.ም ተምሃርኡ ንምቕባል…

ኣብ ኬንያ ሓድሽ ዓሌት ኮቪድ-19 ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኬንያ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስኮሮና ከም ዝተረኸበ ሓደ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለዎ ትካል ምርምር ዘውፅኦ መፅናዕቲ ሓቢሩ። እቲ ቫይረስ ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ ግዜ ብዝተገብረ መፅናዕቲ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እታ ሃገር ክርከብ ከም…

ንቐፃሊ ሃገራዊ ምርጫ ናይ ኩለን ክልላት ድኽመትን ጥንካረን ፀፅታን ድሕንነትን ከምዝተለለየ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥሪ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ዘበን ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መርጫ ፀገማት ፀፅታን ድሕንነትን ንከየጋጥሙ ካብብሐዚኡ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ። ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ኣብ ትልሚ ምርጫ፣ ሃገራዊ ስግኣታት ድሕንነት ከምኡ ውን ኣንፈታት መፍትሒ ኣመልኪተን ኣብ ቤት…

ኢትዮጵያን ቱርክን ኣብ መንጎአን ዘሎ ልውውጥ ንግዲ ናብ 1 ቢሊየን ዶላር ንምብፃሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ቱርክን ኣብ መንጎአን ዘሎ ልውውጥ ንግዲ ናብ 1 ቢሊየን ዶላር ንምብፃሕ ተስማዕሚዐን። ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ መላኩ አለበል ኣብ ዝተረኸብሉ መበል ሻምናይ ኣኼባ ኮሚሽን ሕብረት ኢኮኖሚ፣ ንግዲን ቴክኒክን ኢትዮ ቱርኪ ኣብ…