Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምዕራፍ ዘተ ዝተኣከቡ ኣጀንዳታት መብፅሒኦም ኣበይ ኢዩ?

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ምዕራፍ ዜተ ዝተኣከቡ ኣጀንዳታት መብፅሒኦም ኣበይ ኢዩ? ብኣተሓባባራይነት ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መድረኽ ምዕራፍ ዘተ ምፍላይ ኣጀንዳ ዛባታት ካብ መዳርግቲ ኣካላት…

ትካላት ዴሞክራሲ ናፃን ዘይሻራዊን ብምዃን ሃገራዊ ሓላፍነተን ክዋፅኣ ይግባእ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት ዴሞክራሲ ናፃን ዘይሻራዊን ብምዃን ሃገራዊ ሓላፍነተን ክዋፅኣ ይግባእ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ኣገንዚቦም። 'ግደ ትካላት ዴሞክራሲ ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ’ ብዝብል ርእሲ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢን…

172 ፍልሰተኛታት ካብ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)172 ፍልሰተኛታት ካብ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተመለሱ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ገሊፁ። ኣብዚ ሰሙን እቲ ኤምባሲ ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት (ኣይ ኦ ኤም)ን ብሓባር ብሰለስተ ዙር 172 ስሩዓት ዘይኮኑ ፍልሰተኛታት ብኣውሮፕላንን ብባቡርን…

ፎረም ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮ-ስዑድ ዓረብ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፎረም ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮ-ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሳይንስ ሙዚየም ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ፎረም ኣመራርሓ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሓዊሱ ኣመራርሓ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን፣ ሚኒስቴር ቱሪዝም፣ ኮሚሽን…

ኣብረሃም በላይ (ዶ/ር) ሰራዊትና ሃገር ካብ ምብታን ንምድሓን ኣብ ዝዋደቐሉ እዋን ፈተና እንተይበደሆም ኣገልጊሎም ኢዮም – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኣብረሃም በላይ (ዶ/ር) ሚኒስትር ምክልኻል እናሃለዉ ሰራዊትና ሃገር ካብ ምብታን ንምድሓን ኣብ ዝዋደቐሉ እዋን ፈተና እንተይበደሆምን ካብ ሚዛን ኢትዮጵያዊነት እንተይተዛብዑን ኣገልጊሎም ክብሉ ላዕለዋይ ኦታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል…

ም/ ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ዘሎ ምንቅስቐስ ስራሕ ብዝምልከት ዑደት ኣሳሊጦም። ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኒክን ሙያን ፌዴሪኢ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓትን ውፅኢታት ኢኖቬሽንን ርእዮም።…

ፈላማይ ጉባኤ ባዮቴክኖሎጂ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘሰናደአቶ ፈላማይ ጉባኤ ባዮቴክኖሎጂ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ (ዶ/ር)፥ ኩለ መዳይ ምዕባለ ሃገር ዕላዊ ንምግባር ንሳይንስን ቴክኖሎጂን ጠመተ ሂቡ ምስራሕ ከምዘድሊ…

መሸጢ ዋጋ ኩሎም ዓይነታት ነዳዲ ብዘለዎ ከምዝቕፅል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ፅባሕ ጀሚሩ መሸጢ ዋጋ ናይ ኩሎም ፍሪያታት ነዳዲ ብዘለዎ ክቕፅል ኢዩ ተባሂሉ። ካብ 28 ግንቦት 2016 ዓ.ም ጀሚሩ መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ሐዚ ኣብ ስራሕ ብዘለዎ ዋጋ ከምዝቕፅል ምውሳኑ ኣብ ሚኒስቴር ንግዲን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ዝረኸብናዮ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሕጋዊ ውዕል ምዝገባ ኣካራይን ተኻራይን 1 ሰነ 2016 ዓ.ም ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሕጋዊ ውዕል ምዝገባ ኣካራይን ተኻራይን 1 ሰነ 2016 ዓ.ም ከምዝጅመር ቢሮ ምምሕዳርን ልምዓትን ኣባይቲ ኣፍሊጡ። ኣዋጅ ቁፅፅርን ምምሕዳርን ክራይ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ክራይ ገዛ ንምፍታሕ ከምኡወን ፈትሓዊ…

ባንኪ ዓለም ኣብ ምምሕያሽ ተግባራት እቶት ደገፍ ከምዝገብር ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ዓውዲታት ትኹረት ተባሂሎም ኣብ ዝተለለዩ ተግባራት ምምሕያሽ እቶት ደገፍ ከምዝገብር ተገሊፁ። ሃገራዊ ተግባራት ምምሕያሽ እቶት ዕዉታት ንክኾኑ ዘኽእል ዘተ ኣብ መንጎ ባንኪ ዓለምን ሚኒስቴር እቶትን ተሳሊጡ። ሚኒስቴር እቶት ሃገራዊ…