Browsing Category
ዓለም ለኻዊ ዜናታት
ደልታ ዝተባሃለ ዓይነት ቫይረስኮሮና ኣብ ኣፍሪካ ይላባዕ ብምህላዉ ዜጋታት ክጥንቀቑ ኣለዎም-ውድብ ጥዕና ዓለም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ደልታ ዝተባሃለ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ይላባዕ ብምህላዉ ዜጋታት ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲቡ።
ናይ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሰነ ብኹነታት ለብዒ ቫይረስኮሮና እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ጊዜ ከምዝነበረ ፀብፃባት እቲ ትካል ይሕብሩ።…
ጆቨነል ሞይስ ብናይ ደገ ሓይልታት ከምዝተቐንፀሉ ፖሊስ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሄይቲ ጆቨነል ሞይስ ዝበዝሑ ኣባላቱ ኮሎምብያውያን ወተሃደራት ብዝኾኑ ሓደ ጉጅለ ዕጡቕ ወፃኢከምዝተቐትሉ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ጆቨነል ሞይስ ኣብ ፈለማ እዚ ሰሙን እዮም ኣብ መንበሪ ገዝኦም ተቐቲሎም።
እቲ ጉጅለ 26…
ጃኮብ ዙማ ኢዶም ንፖሊስ ሂቦም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ፕሬዚዳንት ደቡብ አፍሪካ ጃኮብ ዙማ ንፍርድ ቤት ብምድፋር ዝተመሓላለፈሎም ማእሰርቲ 15 ኣዋርሕ ንምፍፃም ኢዶም ንፖሊስ ሂቦም፡፡
እቶም ነበር ፕሬዚዳንት ዝተመሓላለፈሎም ቅፅዓት ማእሰርቲ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዝኦም ዝርከብ ቤት ህንፀት ናታል…
ፕሬዚዳንት ሃይቲ ጆቨኔል ሞይሴ ተቐንፂሎም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሃይቲ ጆቨኔል ሞይሴ ሎሚ መዓልቲ ብዕጡቓት ከምዝተቐንፀሉ ተገሊፁ።
ፕሬዚዳንት ጆቨኔል ሞይሴ ኣብ መንበሪ ቤቶም ማንነቶም ብዘይተፈለጡ ዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ።
ቀዳማዊት እመቤት እታ ሃገር እውን በቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት ዝበፅሖም…
28 ሰባት ዘሳፈረት ኣውሮፕላን ተጓዓዝቲ ሩሲያ ኣሰራ ጠፊኡ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኤ ኤን - 26 ዝተብሃለ ኣውሮፕላን ተጓዓዝቲ ሩሲያ ኣሰራ ከምዝጠፍአ ተገሊፁ።
ሰብ መዚ እታ ሃገር ከምዝበልዎ እታ ነፋሪት 28 ተጓዓዝቲ ኣሳፊራ ዝነበረት እንትትከውን፥ ምስ ኣብራሪ እታ ነፋሪት ዝግበር ዝነበረ ርክብ ኣብ መንጎ ሃንደበት ተቛሪፁ።…
ግብፂ ንካናል ስዊዝ ዓፂያ ዝነበረት መርከብ ንምልቃቕ ተስማዕሚዓ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብፂ ንካናል ስዊዝ ዓፂያ ዝነበረት መርከብ ንምልቃቕ ተስማዕሚዓ።
እታ መርከብ ንዘብፀሐቶ ጉድኣት ካሕሳ ክሳብ ዝኽፈል ከይትንቀሳቐስ ተኣጊዳ ፀኒሓ ኢያ፡፡
ሕዚ ምስ ሰብ ዋና እታ መርከብን ኩባኒያ መድሕንን ብዝተገበረ ስምምዕነት ካሕሳ፥ እታ…
ኣብ ህንዲ ብምኽንያት ቫይረስ ከሮና ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ 400 ሺሕ ዛይዱ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህንዲ ብምኽንያት ቫይረስ ከሮና ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ 400 ሺሕ ዛይዱ።
ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሓልፍ ሰባት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፉ 39 መዓልቲታት ጥራሕ ህይወት 100 ሺሕ ሰባት…
መበል 100 ዓመት ምስረታ በዓል ኮሚዩኒስት ፓርቲ ቻይና ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 100 ዓመት ምስረታ በዓል ኮሚዩኒስት ፓርቲ ቻይና ይኽበር ኣሎ።
ኣብቲ ክብረ በዓል ፕሬዚዳንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ መደረ ዘስምዑ እንትኾኑ፥ እቲ በዓል ንምዝካር ድማ 100 ግዘ መድፍዕ ከምዝተተኮሰ ተገሊፁ።
ፕሬዚዳንት ዢ ጂንፒንግ፥ ዋና…
ሆንግ ኮንግ ካብ ብሪታኒያ ዝግበሩ በረራታት ኣጊዳ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሆንግ ኮንግ ካብ ብሪታኒያ ናብታ ሃገር ዝግበሩ በረራታት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝኣገደት ተሓቢሩ።
እቲ እገዳ ሓዱሽ (ዴልታ) ዓሌት ዘለዎ ቫይረስ ኮቪድ-19 ኣብ እንግሊዝ ምስ ምስፍሕፍሑ ስዒቡ ዝተነበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
ካብ ብሪታኒያ ናብ ሆንግ…
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ብኢራን ዝድገፉ ጉጅለ ዕጡቓት ዒራቕን ሶሪያን መጥቃዕቲ ደብዳብ ኣየር ፈፂማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ብኢራን ዝድገፉ ጉጅለ ዕጡቓት ዒራቕን ሶሪያን መጥቃዕቲ ደብዳብ ኣየር ከምዝፈፀመት ተገሊፁ።
እቲ ደብዳብ ኣየር ኣብ ዒራቕ ኣብ ዝርከብ ወታደራዊ ካምቦ ኣሜሪካ ንዝፈፀሙዎ መጥቃዕቲ ድሮን ዓፀፋ ንመሃብ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ምክልኻል…