Browsing Category
ዓለም ለኻዊ ዜናታት
ሱዳን ኣብ ዳርፉር ዝርከብ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ዝወፅአሉ እዋን ንኽናዋሕ ሓቲታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳን ኣብ ዳርፉር ዝርከብ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስታት /ዩናሚድ/ ዝወፅአሉ እዋን ንኽናዋሕ ሓቲታ።
ካርቱም ካልማን ሶርቶኒይን ኣብ ዝበሃሉ ስግኣት ፀፅታ ኣብ ዘለወን ክልተ መዓስከራት ዝርከብ እቲ ዓቃቢ ሰላም ኣብኡ ንኽፀንሕ ድሌት…
ኣብ ኣሜሪካ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተኸተቡ ሰባት ብዘይ መሸፈኒ ክራኸቡ ተፈቒዱሎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተኸተቡ ሰባት ብዘይ መሸፈኒ ክራኸቡ ከምዝተፈቐደሎም ተገሊፁ።
ማእኸል ምቁፅፃር ሕማማት ኣመሪካ (ሲዲሲ) ከመዝበሎ፥ ሙሉእ ክታበት ዝወሰዱ ኣመሪካውያን ብውሱን ናብ ንቡር ምንቅስቓስ ክምለሱ ኢዮም።
እቲ መምርሒ፥…
ኣብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ብዝበፅ ሓደጋ ምፍንጃር 15 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ብዝበፅሐ ተኸታታሊ ሓደጋ ምፍንጃር 15 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።
ባታ ኣብ ዝተብሃለ ከተማ ዝበፅሐ እቲ ሓደጋ ህይወቶም ካብ ዝሓለፉ ብተወሳኺ 500 ዝኾኑ ሰባት ቆሲሎም ተባሂሉ፡፡
መንግስቲ እታ ሃገር፥ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ…
ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ መዓስከር ስደተኛታት ብዝበፅሐ ባርዕ ሓዊ 30 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ መዓስከር ስደተኛታት ብዝበፅሐ ባርዕ ሓዊ 30 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።
በቲ ባርዕ ሓዊ ካብ ዝሞቱ ብተወሳኺ ልዕሊ 170 ሰባት ጉድኣት ከምዝበፅሖም ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።
ፍልፍል፦ ቢቢሲ…
ሃገራት ኣፍሪካ ክታበት ኮቪድ-19 ምሃብ ጀሚረን
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራት ኣፍሪካ ክታበት ኮቪድ-19 ምሃብ ምጅማረን ተገሊፁ።
ግብፂ ጋናን ክታበት ምሃብ ዝጀመራ እንትኾና፥ ናይጄሪያ ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት እውን ሎሚ መዓልቲ ክጅምራ ኢየን ተባሂሉ፡፡
ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ክሳብ ሕዚ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት…
ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2030 ጥሜት ንምጥፋእ ኣብ ዘኽእል መገዲ ኣይኮነትን – ፋኦ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2030 ጥሜት ንምጥፋእ ኣብ ዘኽእል መገዲ ከምዘይኮነት ዓለም ለኸ ትካል ምግቢን ሕርሻን (ፋኦ) ተወካሊ ኣፍሪካ ኣበበ ሃይለገብሪኤል ገሊፆም።
እታ ኣህጉር ጥሜት ንምጥፋእ ዝተተሓዘ ሽቶ ብዙሓት ስዳሮታት…
ደቡብ ሱዳን ኣገልግሎት በረራ ውሽጢ ዓዲ ዝህብ መገዲ ኣየር ኣጊዳ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ሱዳን ሓንቲ ንኡሽተይ ኣውሮፕላን ምሕምሻሻ ስዒቡ ኣገልግሎት በረራ ውሽጢ ዓዲ ምእጋዳ ተገሊፁ።
ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር፥ እታ ኣውሮፕላን ሰሉስ ምምሕምሻሻ ስዒቡ እቲ መገዲ ኣየር ብግዚያዊነት በረራ ከይገብር ኣጊዶም፡፡
እታ…
ብራዚል ብለበዳ ቫይረስኮሮና ህይወቶም ዝሓልፉ ሰባት ልዑል ቁፅሪ እናመዝገበት ምዃና ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብራዚል ብለበዳ ቫይረስኮሮና ህይወቶም ዝሓልፉ ሰባት ልዑል ቁፅሪ እናመዝገበት ምዃና ተገሊፁ።
እታ ሃገር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ብረቡዕ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝልዓለ መጠነ ሞት ኣመዝጊባ ኣላ።
ሚኒቴር ጥዕና እታ ሃገር ትማሊ ኣብ ዝሃቦ…
ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዘጋጠመ ምሕምሻሽ ነፋሪት ኣስታት 10 ሰባት ሞይቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ምብራቃዊ ዞባ ጂንጎለ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ትማሊ ምሸት ወዲቓ ብምሕምሻሻ ኣብታ ካብ ነፋሪት ዝነበሩ እቶም 10 ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊፆም።
እታ ነፋሪት ካብ ንኡስ መዓርፊ ነፈርቲ ፒረ ተበጊሳ ናብ ከተማ ጁባ…
ሱዳንን ግብፂን ወታደራዊ ስምምዕነት ተፈራሪመን
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳንን ግብፂን ወታደራዊ ምትሕብባር ንምግባር ትማሊ ስምምዕነት ተፈራሪመን።
ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሱዳን ሙሓመድ ኣልሑሴንን ናይ ግብፂ መዘነኦም ሞሓመድ ፋሪድን ኢዮም ኣብ ካርቱም ተራኺቦም ኣብ ስምምዕነት በፂሖም ዘለዉ፡፡
እቲ ስምምዕነት ኣብ…