Fana: At a Speed of Life!

ኣፈጉባኤ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም ምስ ልኡል ወራሲ ዙፋን ሕቡራት ኤሜሬት ዓረብ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም ምስ ልኡል ወራሲ ዙፋን ሕቡራት ኤሜሬት ዓረብ ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ነሀያን ተዛቲየን ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ትማሊ ናብ ሕቡራት ኤሜሬት ዓረብ ዘምርሓ እንትኾና፥…

ፕሬዚዳንት ኢኳቶሪያል ጊኒ ኦቢያንግ ኑጌማ ማሶጎ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኢኳቶሪያል ጊኒ ኦቢያንግ ኑጌማ ማሶጎ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኣቀባብላ ገይረሙሎም። ኣብ…

ፕሬዚዳንት ግብፂ ነበር መሓመድ ሞርሲ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ግብፂ ነበር መሓመድ ሞርሲ ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ እናተርኣየ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድንገት ውንኦም ብምስሓት ከምዝሞቱ ተገሊፁ። መሓመድ ሞርሲ ንሓደ ዓመት ፕሬዚዳንት ኮይኖም ኣብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ግብፂ ምስ ፀንሑ'ዩ ኣብ 2013…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይን ቀዳማዊት እመቤት ወ/ሮ ዝናሽን ልገሳ ደም ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ቀዳማዊት እመቤት ወ/ሮ ዝናሽ ታያቸውን ልገሳ ደም ኣካይዶም። እቲ ልገሳ ደም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል 16 ግዘ ዝኽበር ዘሎ ዓለም ለኸ መዓልቲ ልገሳ ደም ምኽኒያት ብምግባር ዝተፈፀመ ኢዩ። ብመሰረት…

ኣብ ክሊ ሓዱሽ ፍኖተ ካርታ ትምህርቲን ስልጠናን ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ ፌዴሪኢ ኣብ ክሊ ሓዱሽ ፍኖተ ካርታ ትምህርቲን ስልጠናን ዘተ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብ መድረኽ 'ቲ ዘተ ሚኒስትር ሚኒስቴር ትምህርቲ ዶክተር ጥላዬ ጌቴ ሓዊሱ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ መዳርግቲ ልምዓት ትምህርቲን ካልኦት ኣካላትን…

ደቡብ ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ብዝሰርሓኣ ነፋሪት ካብ ኬፕ ታውን ናብ ግብፂ ክበራ እየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሰነ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ብደቡብ ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ዝተሰርሐት ነፋሪት ካብ ኬፕታውን ናብ ግብፂ፣ ካይሮ በረራ ክገብራ ኢየን። እቲ ናብ ግብፂ ዝግበር ናይ 12 ሽሕ ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት በረራ ኣስታት ሽድሽተ ሰሙን ከም ዝወስድ ተገሊፁ። እታ ኣርባዕተ ወንበር ዘለዋ…

ኣትሌት ገንዘቤ ዲባባ ቅድድም ጒያ ዳይመንድ ሊግ 1 ሺህን 500 ሜትሮ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሰነ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ገንዘቤ ዲባባ ትማሊ ኣማሲዩ ኣብ ሞሪኮ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ጒያ ዳይመንድ ሊግ 1 ሺህን 500 ሜትሮ ተዓዊታ። እታ ኣትሌት ነቲ ውድድር ብ3 ደቒቓ 55 ሰከንድ 47 ማይክሮ ሰከንድ ዝዛዘመቶ እንትትከውን፥ እዚ ድማ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ እዚ ዓመት…

ፕሬዚዳንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ዝተኻየደ ዕልዋ ንፈለማ እዋን ኣብ ህዝባዊ ቦታ ተራእዮም። ፕሬዚዳንት ኣልበሽር ካብቲ ዝተኣሰርሉ ቦታ ናብ ቤት ፅሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ብምውሳድ ዝተመስረተሎም ክሲ ብልሽውና…

ኣብ ቬኔዝዌላ ብዘሎ ቅልውላው ስደተኛታት እታ ሃገር ናብ ዶብ ፔሩ ይውሕዙ ኣለው

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቬኔዝዌላ ብዘሎ ቅልውላው  ስደተኛታት እታ ሃገር ናብ ዶብ ፔሩ ይውሕዙ ኣለው። መንግስቲ ፔሩ ፍልሰት ስደተኛታት ንምቁፅፃር ቪዛ ዝሓትት ሕጊ ቅድሚ ወግዓዊ ምግባሩ ቀዲሞም ናብታ ሃገር ንምእታው ዝተሰለፉ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ቬኔዝዌላውያን ናብ ፔሩ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ነበርቲ ከተማ ደሴ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ነበርቲ ከተማ ደሴ ሎሚ መዓልቲ ተዛቲዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ ንጎሆ ናብታ ከተማ ዘምርሑ እንትኾኑ፥ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮነንን ርእሰ ምምሕዳር ክልል…