Fana: At a Speed of Life!

ቀፃሊ ሰለስተኣዊ ዘተ ግድብ ህዳሰ ኣብ ካይሮ ክሳለጥ ኢዩ

0 108

ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘድሃበ ሰለስተኣዊ ዘተ ቀፃሊ እዋን ኣብ ግብፂ ካይሮ ከምዝሳለጥ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልቲታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ ዝፀንሐ ዘተ ሚኒስትራት ማይ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን፥ ትማሊ ምስዮት ተዛዚሙ።

ነቲ ዘተ ኣመልኪቶም መግለፂ ዝሃቡ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ፥ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልቲታት ዝተኻየደ ሰለስተኣዊ ምይይጥ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝተሳለጡ መድረኻት ዘተ ልዑል ምምሕያሽ ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ኣተሓሕዛን ኣሳድዳን ማይ እቲ ግድብ ዘድሃበ ዘተ ከምዝነበረ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፥ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ካርቱም ብዝተፈለዩ 6 ነጥቢታት ዝምልከቱ ሓሳባት ከምዘልዓላ ሓቢሮም

እተን ሃገራት ዝተስማማዓሎም ነጥቢታት ብቖፂል፣ ዘይተስማማዓሉ ድማ ብቐይሕ ብምምዝጋብን ናይ ሕድሕድ ሃገር ሓሳብ መብርሂ ኽወሃበሉ ብምግባርን ዕምቆት ዘለዎ ዘተ ከምዝተገበረ እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ቀፃሊ እዋን ንዝካየድ ምይይጥ ሰለስቲአን ሃገራት ዝመርሖኦ ሰነድ ምድላዉን 23 ን 24 ሕዳር 2012 ዓ.ም ኣብ ግብፂ ካይሮ ከምዝሳለጥን ገሊፆም።

ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተሳለጠ ሰለስተኣዊ ዘተ፥ ካብ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ዝመፅኡ ተዓዘብቲ ተረኺቦም እዮም።

 

Comments
Loading...