Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ጉምሩኽ ኤርፖርት ቦሌ  47 ነጥቢ 4 ኪ.ግ ኮኬይን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

0 98

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ሕዳ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ተርሚናል መተኣናገዲ ዓማዊል ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ 47 ነጥቢ 4 ኪሎ ግራም ኮኬይን እናተብሃለ ዝፅዋዕ ሓደገኛ መዐወኒ ሓሽሽ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ።

እቲ ሓሽሽ ኣብ ቁፅፅር ዝወዓለ፥ ብመሪሕነት ኢንተለጀንስ ጉምሩኽን ክትትል ኮንትሮባንድን፤ ምስ ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ብሄራዊ ግልጋሎት መረዳእታን ድሕንነትን ብምትሕብባር ዝተሰርሐ ኦፕሬሽን እዩ።

ምስ እቲ ተገባር ተታሓሒዙ ናይ ብራዚል ዜግነት ዘለዎም ሓሙሽተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

እቶም ተጠርጠርቲ፥ ኣብ ሆቴል ብዝነበሮም ፃንሒት ብኢድ ብዝተሓዙ ሳንጣታትን ቦርሳታትን ብድምሩ 47 ነጥቢ 4 ኪሎ ግራም መዐወኒ ሓሽሽ ብዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣቢሎም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንምዝውዋር እንትፅዕሩ እዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክውዕሉ ዝኸኣሉ።

 

ብምዝውዋር መዐወኒ ሓሽሽ ዝተጠርጠሩ ድማ፦

  1. ዳያኔ ክሪስቲና ኮሬላንደሊማ፣ ቁፅሪ ሰፖርት GA544267 ዘለዋ ግለሰብ 7 ኪሎ ግራም ኮኬይን ካብ ብራዚል ዓለም ለኸ ኤርፖርት ግሩ ተላዒላ ናብ ታይላንድ ባንኮክ ንምሕላፍ እንትትፍትን፣
  2. ሉሴኔ ዳ ሲልፋኮስታ፣ ቁፅሪ ሰፖርት GA480O98 ዘለዋ ግለሰብ 6.4 ኪሎ ግራም ኮኬይን ካብ ብራዚል ዓለም ለኸ ኤርፖርት ግሩ ተላዒላ ናብ ሩዋንዳ ኪጋሊ ንምሕላፍ እንትትፍትን፣
  3. ማርሴላ ጊስላኔ ዳ ሲልፋ ሞደስቶ፣ ቁፅሪ ሰፖርት GA318058 ዘለዋ ግለሰብ 21.4 ኪሎ ግራም ኮኬይን ካብ ብራዚል ዓለም ለኸ ኤርፖርት ግሩ ተላዒላ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ጆሀንስበርግ ንምሕላፍ እንትትፍትን፣
  4. ራይዛ ሲልቫ ኮሪያዶናሲሜንቶ፣ ቁፅሪ ሰፖርት GA375985 ዝሓዘት ግለሰብ 4.2 ኪሎ ግራም ኮኬይን ካብ ብራዚል ዓለም ለኸ ኤርፖርት ግሩ ተላዒሉ ናብ ሩዋንዳ ኪጋሊ ንምሕላፍ እንትፍትን፤ እዮም ተታሒዞም።

እቲ ዝተትሓዘ መዐወኒ ሓሽሽ፥ ብር 109,040,000 ዝግመት ዋጋ ዘለዎ እንትኸውን፥ ኩሎም መንገደኛታት ካብ ብራዚል ናብ ኣዲስ ኣበባ ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቁፅሪ በረራ ኢት 507 ዝተጓዓዙ ምዃኖም ተገሊፁ።

ነቶም ተጠርጠርቲ ዝሓዘት ኣውሮፕላን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ካብ ምሸት ሰዓት 12:45ን ክሳብ ሰዓት 1:00 ክትዓርፍ ዝግበኣ ዝነበረ እንትኸውን፥ ብዘይተለመደ መልክዑ ደንጉያ ለይቲ ሰዓት 5:55 ክትዓርፍ ክኢላ ኢያ።

ብመሰረት እዚ፥ ብሰራሕተኛታት ኢንተለጀንስ ጉምሩኽ ክትትል እናተገበረሉ ከምዝነበረን ድሕሪ ሰዓት 4:30 ምስ ብሄራዊ ግልጋሎት መረዳእታን ድሕንነትን ብምትሕብባርን መረዳእታ ብምቅይያርን ውፅኢታዊ ኦፕሬሽን ምስርሑ ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments
Loading...