Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ትካላት ፋይናንስ ንሰብ ሃፍቲትን ነጋዶን ልቓሕ ኣብ ምሃብ ፀገም ከምዘለወን ተገሊፁ

0 310

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ትካላት ፋይናንስ ንሰብ ሃፍቲትን ነጋዶን ልቓሕ ኣብ ምሃብ ፀገም ከምዘለወን ተገሊፁ።

ካልኣይ ዙር ምርኢት ንግድን ሲምፖዝየምን ትካላት ፋይናንስ፣ ኢንሹራንስን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ።

እቲ መድረኽ፥ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ምስ ዩኒቨርስቲ መቐለን ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ብምትሕብባር ዝተዳለወ ኢዩ።

ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ኣይተ ኣሰፋ ገብረስላሰ፥ ትካላት ፋይናንስን ኢንሹራንስን ንማሕበረሰብ ንግዲ ዝህብኦ ዘለዋ ግልጋሎት ኣንታይ ከምዝመስል ዝድህስስ መድረኽ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ዘለዋ ትካላት ፋይናንስ ካብ ዝኾነ ክልል ንላዕሊ ገንዘብ ከምዝዕቆረለን ኣይተ ኣሰፋ ሓቢሮም።

ይኹን እምበር፥ እተን ባንክታት ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ በዓል ሃፍትን ነጋዳይን ልቓሕ ኣብ ምሃብ ልዑል ፀገም ከምዘለወን ብሙሁራት ዩኒቨርስቲ መቐለ ተኻይዱ ኣብቲ መድረኽ ዝቐረበ መፅናዕቲ የመላኽት።

እዚ ድማ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ፍሰት ኢንቨስትመንት ዓብዪ ፅልዋ ከምዘለዎ እቶም ፕሬዚዳንት ኣገንዚቦም።

ብኣንፃሩ ድማ ኣብ ትግራይ ዘለዋ ትካላት ማይክሮ ፋይናንስን ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ብበዝሒ ገንዘብ ይኹን ብተበፃሕነት ዝሐሸ ምንቅስቓስ ከምዘለወን ገሊፆም።

ናይዚ መድረኽ ዕላማ እውን ኣብ ትግራይ ዘለዋ ትካላት ባንክታትን ኢንሹራንስን ገንዘብ ምእካብ ጥራሕ እንተይኮነስ እቲ ዝኣከብኦ ገንዘብ ንሰብ ሃፍቲ ትግራይ ብፍሉይ ትኹረት ሂበን ዝሰርሓሉ መስርሕ ዘመቻቹ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕፅረት ግልጋሎት ልቓሕ ካብ ባንክታት ብዘላቕነት ንምፍታሕን ትግራይ ናይ ባዕላ ባንኪ እተጣይሸሉ ዕድል ንምፍጣር ዝከኣለሉ ዘተ ከምዝሳለጥ እውን ኣይተ ኣሰፋ ገሊፆም።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሲምፖዝየም፥ ካብ ኩለን ኣብ ትግራይ ጨንፈር ዘለወን ትካላት ፍይናንስ፣ ኢንሹራንስ፣ ማይክሮ ፋይናንስን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ልቓሕን ዕቋርን እናተሳተፋ ይርከባ።

ፍልፍል፡- ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

Comments
Loading...