Fana: At a Speed of Life!

ብመቐለ ዩኒቨርስቲ ዝተጣየሸ ማሕበረተሰባዊ ሬድዮ ሞሞና ኤፍ ኤም 96.4 ተመሪቑ።

0 44
ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብመቐለ ዩኒቨርስቲ ዝተጣየሸ ማሕበረተሰባዊ ሬድዮ ሞሞና ኤፍ ኤም 96.4 ተመሪቑ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣካቢ ቦርድ እቲ ሬድዮ ጣብያ ኣይተ ይርጋ ገብረእግዚኣብሄር ከምዝበልዎ፥ እቲ ሬድዮ ጣብያ ንኣርባዕተ ዓመታት ካብ ፈተነ ፈነወ ጀሚሩ ክሳብ ውሽጣዊ ስራሕቲ እናሰርሐ ፀኒሑ እዩ።

እቲ ሬድዮ ጣብያ ሕብረተሰብ ክጥቀመሉን ክመሃሃረሉን ይግባእ ኢሎም።

ፕሬዝደንት ዩኒቨርስቲ መቐለ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ብግደኦም፥ ሞሞና ማሕበረሰባዊ ሬድዮ ጣብያ ብሓቂን ብሚዛናውነትን ንምስራሕ ምድላው እናገበረ ፀኒሑ እዩ ኢሎም።

እቲ ማሕበረሰባዊ ሬድዩ ጣብያ፥ መትከላት ጋዜጠኝነት ተኸቲሉ ንምስራሕ ከምዝተዳለወ እውን እቶም ፕሬዝደንት ገሊፆም።

መቐለ ዩኒቨርስቲ ኣብ ቀፃሊ፥ እቲ ሬድዮ ጣብያ ናብ መሰልጠኒ ማእኸል ንምዕባይ ክሰርሕ እዩ ኢሎም።

ሰራሕተኛታት እቲ ማሕበረሰባዊ ሬድዮ ጣብያ ሓቀኝነት ዝተላበሰን ኣድልዎ ዘይብሉን ሓበሬታ ንሕብረተሰብ ከብፅሑ እውን ፀዊዖም።

ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስቲን ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ብወገነን፥ እቲ ማሕበረሰባዊ ሬድዮ ጣብያ ንክፍሊ ትምህርቲ ጋዜጠኝነትን ኮምንኬሽንን ብተግባር ዝተደገፈ ትምህርቲ ከሳልጡ ከምሕግዝ ገሊፀን።

ካብኡ ብተወሳኺ፥ ተምሃሮ ኣብ ፃንሒቶም ሰላምን ምክእኣልን ክሰፍን ከሕግዞም እዩ ኢለን።

ፀገማት እንተጋጥሙ ብዝሰልጠነ መንገዲ ንምፍታሕ ሞሞና ማሕበረሰባዊ ሬድዮ ግደኣ ክተበርክት እያ ኢለን እተን ቢሮ ሓላፊት።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስቲን ዘድሊ ሓገዝ ንክገብር ድልዊ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚበን።

ብዮናታን ግዛቸው

Comments
Loading...