Fana: At a Speed of Life!

ሓዱሽ ተርሚናል መተኣናገዲ ዓማዊል ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ

0 130

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብ363 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝተሃነፀ ሓዱሽ ተርሚናል መተኣናገዲ ዓማዊል ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ።

ብኮሙኒኬሽን ኮንስትራክሽን ኩባኒያ ቻይና (ሲሲሲሲ) ዝተሃነፀ ፕሮጀክት መስፋሕፍሒ መተኣናገዲ ዓማዊል፥ ትማሊ ብጋዜጠኛታት ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዑደት ተኻይዱሉ።

እቲ ሓዱሽ መተኣናገዲ ዓማዊል፥ ዘመን ዝበፅሖ ዘመናዊ መሳርሕታት ተርሚናል መዕርፎ ነፈርቲን ግልጋሎት መውሃቢ ዓማዊልን ዘማልአ እዩ።

ተጠባባቒ ፈፃሚ ስራሕ ትካል ኤርፖርትታት ኢትዮጵያ ኣይተ እስክንድር ኣለሙ፥ ስራሕ እቲ መስፋሕፍሒ ፕሮጀክት ተርሚናል መተኣናገዲ ዓማዊል ተዛዚሙ ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጦም።

ምዝዛም እቲ ተርሚናል ኣብ ምትእንጋድ ዓማዊል ዝረአ ዝረነበረ ምጭንናቕን ምትእጉጓልን ንኽፍታሕ ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

እቲ ሓዲሽ ተርሚናል ዓቕሚ ምትእንጋድ ዓማዊል ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብዓመት ናብ ልዕሊ 25 ሚሊየን ክዓቢ ከምዝገብሮ ተዛሪቦም።

ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2015 ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ውርሒ ጥሪ ህንፅቱ ተዛዚሙ ከምዝተመረቐ ይዝከር።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

Comments
Loading...