Fana: At a Speed of Life!

ብሽም ህዝቢታት ኣምሓራን ኦሮሞን ተወዲቦም ዝንቀሳቐሱ 7 ፓርቲታት ብሓባር ንምስራሕ ተስማሚዖም

0 133

ኣዲስ ኣባበ፣ 05 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሽም ህዝቢታት ኣምሓራን ኦሮሞን ተወዲቦም ዝንቀሳቐሱ ሸውዓተ ፓርቲታት ፖለቲካ ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ ኣፍሊጦም።

እቶም ፓርቲታት ፖለቲካ፥ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣምሓራ (ኣዴፓ)፣ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ (ኦዲፒ)፣ ግምባር ናፅነት ኦሮሞ (ኦነግ)፣ ብሄራዊ ንቅናቄ ኣምሓራ (ኣብን)፣ ፌዴራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ)፣ ብሄራዊ ፓርቲ ኦሮሞ (ኦብፓ)ን ግምባር ማሕበራዊ ራእይ ኣምሓራን እዮም።

ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ከምኡ እውን ኣብተን ክልላት ዘለዉ ዩኒቨርሲቲታትን ዝረኣዩ ዘለዉ ጎንፂታት ደው ንምባል ግደኦም ብምውፃእ ኣብ ሓድነት ህዝቢታት ኣምሓራን ኦሮሞን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።

ምትእስሳር ክልቲኦም ህዝብታት ዝንክዩን ናብ ዕግርግር ዘምርሑን ዝኾነ ይኹን ካብ ተንኳሲ ዛዕባ ንምውፃእ  ኣብ ልዕሊ ህዝቢታት ተኣጒዱ ዘሎ ሓደጋ ንምጥፋእን ተሓጋጊዞም ንምስራሕን እውን ወሲኖም።

ኣብ ሞንጎ እቶም ፓርቲታት ዋላ ኣፋላላያት ይሃልዉ ካብ ሃገርን ህዝብን ዘይበልፁ ምዃኖም ግንዛበ ምፍጣር ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

ንሰላምን ሓድነትን ሃገር ቅደሚያ ሂቦም ብሓባር ከምዝሰርሑ እውን እቶም ውድባት ፖለቲካ ኣፍሊጦም።

ብኣላዛር ታደለ

Comments
Loading...